2010-04-22 15:14:12

ጉዳይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ስደተይናታት


ትማሊ ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ኤውሮጳ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል መርበብ፣ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ስደተይናታት ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዘካየዶ RealAudioMP3 ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ኣደጊፉ መገልጺ ከምዝሃበሉ ተሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ከምዘመልከቶ ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ብዝሒ ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ስደተይናታት ማለት ናብ ኤውሮጳ ስተሰዱ 5 ሺሕ ከምዝኾኑን፣ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ናብ ኢጣሊያ ዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ስደተይናታት 1.700 ሚእትን ከምዝነበረን ክሳብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ እቶም ሓደ ሽሕ ጥራሕ ኣብ ኢጣልያ ከምዝተረፉን ኣቶም 7 ሚእቲ ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጥ ምዃኑን፣ እዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ኤውሮጳ ናይ ስደተይና መቆጻጻሪ ሕጊ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ኣብ ዝካየዱ ምርጫታት ንምስናፍ ሓቂነን ብዛዕባ ስደተይና ዝቕርበኦ አሉታዊ ኣመለኻኽታ ኣወጊደን ሰብኣውነት ዘማዕከ ባህሊ ዘስፋሕፍሓን ነዚ ዘንጸባርቕ ፖለቲካ ኣብ ምትእትታው ክዓያን፣ እቲ ጸብጻብ የተሓሳስብ።

ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓሊ ናይ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያን ማኅበር ሓላፊ ኣባ ጃንክርሎ ፐረጎ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ፖለቲካ እቶም ካብ ውግእን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ማሕበራውን ዓሌታዊ ጸቕጥታት ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ቢሎም ዝስደዱ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘእቱው ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብቲ ዝተኻይደ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቫቲካን ረድዮን ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ብቐረባ ክምእትከታተሎ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እውን እናተራኸበት ትዝትየሉን ዑቕባን ሓልዮትን ንስደተይናታት ከምእተተባብዕን ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ማልታ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ብዛዕባ ዝደተይናታት ዝምልከት ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ዝምስክሮ ኢዩ፣ እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይፍለጡ ኮይኖም ከይተርፉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ሰነድ ዘቀነባበሩ ናይ ኤውሮጳ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተሉ መርበባት ዘወሃህዱ ኣንቶኒዮ ሪቺ፣ ስደተይናታት ካብ ገዛእ ሃገሮም ተገዲዶም ዝተሰዱን ኣብ ዝርከብሉ ሃገር ድማ ስደተይናታት ኮይኖም ኣብ ቀጻሊ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ሰብኣውን ስደት ከይነብሩ መታን፣ ምስቶም ናይታ እትቐበሎም ሃገር ዜጋታትን ባህልን ተላልዮምን ተወሃሂዶም ንምንባር ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎም ይግባእ እንክብሉ፣ ኣብ ሮማ ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለዪ ማእከል ኣስታሊ ኣመሓዳሪ ኣባ ጆቫኒ ላ ማና ናይ ዘይሕጋውን ስደተይናታት ጸኣት ንምዕጋት ኣብ ኤውሮጳ ዝውሰዱ ውሳኔታት ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንሰባት ካብ ቦታ ቦታ ዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታውን እቲ ንደቂ ሰባት ንስደት ዝድርኽ ብዙሕ ጨንፈር ዘለዎ ሽግር ንምውጋድ ዝኣመተ ኣክንዲ ዝኸውን ነቶም ስደተይናታት ናብ ካልእ ሽግር መሊሱ ዝድርኽ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.