2010-04-22 14:45:52

መልእኽቲ ተመሀርቲ ዩኒቨርሲቲ ሮማ ንርሊጳ በነዲክቶስ


ዩኒቨርሲታት ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ንመንበረ ሓዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተሰየምሉ መበል ሐሙሻይ ዓመት መሠረት ብምግባር ምስኦም ዘለዎም ምትሕብባርን ፍቅርን ዝገልጽ መልእኽቲ ከም ዝልአኹ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

እቲ ትማሊ ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ዝሀብዎ ሮብዓዊ ትምህርቲ ዝተቀበልዎ መልእኽቲ ብሕደ ሺሕን ክልተ ሚእትን ተመሃርቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈረመ መልእኽቲ ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።

እቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንቋዕ ንመበል ሐሙሻይ ዓመት ምበል ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኹም አብጻሐኩም ንሕና ምስኹምን ምስታ ትመርሕዋ ካቶሊካዊት ቅድስቲ ቤተክርስትያንን ንተሐባበር እግዚአብሔር ጥዕና ይሃብኩም ዝብል ጽቡቅ ትምኒት ዝሐዘለ መልእክቲ ተመሃርቲ ዩኒቨሲቲ ዝጽሐውፍዎ መልእክቲ አብ ካቶሊካውያን ናይ መንግስትን ብሕትን ዩኒቨርሲታት ዝምሀሩ ዘለዉ ተመሃርቲ ከም ዝኾኑ እቲ መግለጺ አነጺሩ።

በዚ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ መሠረት፡ ትሕዝቶ’ቲ ተመሀርቲ ዩኒቨርሲቲ ሮማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝጽሐፍዎ መልእኽቲ ቅድሱ አቦና በቲ ናይ ሀገራት ሐቆፍ ሰራሕተኛት ፍቅሪ ክንከውን ባህሊ ፍቅሪ ክንሃንጽ ዝሀብኩምና ሐለፍነት ብሐጎስ ተቀቢልና ገቢራዊ ንኽንገብሮ ንፅዕር አለና እግዚአብሔር ክአ ይሐግዘና ።

አብ ዝሐለፈ ሐሙሽተ ዓመት አብ ዝተፈላለየ አጋጣምታት ብዛዕባ ንባበ መለኮትን መንፈሳውነትን ፍቅርንዝሀብኩምዎ ጥልቂ ትምህርቲ ሕጉሳት ኢና ምኽንያቱ አብ”ዚ ዓለም’ዚ ፍቅርን ምትሕብባርን ንውጹዕ ሕብረተ ሰብ ምሕላይን ክብሪ ሰብ ከይግሃስ ምጥባቅን አድላዪ ከም ዝኾነ ወዲ ሰብ ንሰላም ክሰርሕ ኅብርተ ሰብ ዓለም ብሰላም ክነብር ከም ዘድሊ ስለ ንርዳእ።

ቅዱስ ወንጌል ንማኅበራውን ባህላውን ሕይወት ዘላሊ ንወዲ ሰብ አድላዪ ስለ ዝኾነ አድላይነቱ ብምርዳእ ነዚ መንገዲ’ዚ ከም ዝኽተሉ እቲ መልእኽቲ ከም ዘመልከት ተነጊሩ።

ተመሃርቲ ዩኒቨርሲቲ ዘለዓለማዊት ከተማ ሮማ ነዚ መልእኽት’ዚ ዝጽሐፍሉ ምኽንያት ምስ ቤተክርስትያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዘለዎም ምትሕብባር ንምግላጽ ቤተክርስትያን ካብ ሓዋርያዊ ተልእኾ’አ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ክገትአ ከምዝይክእል ንምግላጽ ከም ዝኾነ እቲ መልእኽቲ ከም ዘመልከተ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.