2010-04-20 13:35:06

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ርክብ ምስ መንእሰያት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ማልታ ዕለት 17 ን 18 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ ዓለም ሓቆፍ መበል 14 ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ክዝከር እንከሎ፣ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር RealAudioMP3 ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመንእሰያት ኣይትርፍሑ ዝብል ኣቕሪቦምዎ ዝነበረ ጻውዒት ብምቅላሕ፣ እምነትኩም ንምምስካርን ነቲ ልሙድን ቅቡልን እናኾነ ዝኸይድ ንምሕዳር ቢልካ ዝንበር ዓይነት ሕይወት ኣንጻሩ ክጎዓዙ ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ማልታ ሓዋርያዊ ዑደቶም ምስ መንሰያት ብዘካይድዎ ርክብ ከምዝዛዘሙ ክፍለጥ እንከሎ፣ ልክዕ ከምቲ ብዘመን ቅዱስ ጳውሎስ ዝነበረ ሎሚ እውን ናይ ወንጌል ክቡር ዋጋ ኣንጻር ዘንብር ባህሊ ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ገሊጾም፣ መንሰይ በዚ ጸረ ክቡር ዋጋ ዝኾነ ባህሊ ከይማረኽን ከይጽለዉን ብምትሕስሳብ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክርስቶስ ምምስካር ትብዓትን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ክፍሊ ኅብረሰብን ነቶም ዝሓየሸ መነባብሮ ነኸናድዩ ዝስደዱን ዑቕባ ዝሓቱን ኣስተውዕሎ ምሃብን ምድጋፍን ከምዝሓትት ድማ ገሊጾም፣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብነት ክኽተሉን ሓደራ ኢሎም።

ዘመንና ዝተፈላለዩ ንድፈ ሓሳባትን ክቡር ዋጋ ተባሂሎም ዝግለጹ ብዝተፈላለዩ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ንእምነት ብዝጻረሩ ማሕበራውያን ጉጅለታት ውዕዉዕ ጐስጓስ ዝግበረሎም ዝንዝሑ መብዛሕቲኡ ጊዜ ኣንጻር ናይቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰብከ ክቡር ዋጋ ኮይኑ ከምዝርከብን በዚ ዓይነት ጸረ እምነት ጐስጓስ ድማ ቀዳማይ ተጠቃዒ መንሰይ ወለዶ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ሰብ ንቕድስና ከምእተጸውዔ ዘመልክትን ናይ ሓደ ጥዑይ ኅብረሰብ ማእከል ድማ ብሚሥጢረ ተክሊል ዝቖመ ስድራ ቤት ምዃኑ ዝህብዎ ተባዕ ምስክርነት ከይዝሕትልን ክይቋረጽን ድማ ሚዒዶም፣ መሰልን ፍቓድን ኣከል ስንኵላንን ድኻታትን ስደተይናታትን ከተባብዑን ሰብኣዊ ክብሪ ከይገሃስን ሃይማኖትን ዓሌትን ብዘየገድስ ሰብ ከም ሰብ መጠን ክኽበር ከምዘለዎ ኣሚኖም ድጋፍን ሓገዝን ኮይኖም ክርከቡን፣ ሕይወቶም ንኽርስቶስ ኣብ ምስዓብ ከውዑሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ናይ ክርስቶስ ትኽ ትንፋስ የዕሩኽ ንምዃን ኣይትፍርሑ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ናብ ቫቲካን ንኽምለሱ ነቶም ዘፋነዉዎም ናይ ማልታ ርእሰ ብሄር ጆርጅ ኣቤላ ዝርከብዎም ናይ መንግሥትን ናይ ሃይማኖታታት ላዕልዎት ኣካላት ኣብ ሉካ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ሕዝቢ ማልታ ክርስትያናዊ ባህሉ ክዕቅብን እዚ ክርስትያናዊ መለለዪኡ በቲ ተዛማድን ዘይግደስን ላንጋ ላንጋ ዝኾነ ባህሊ ከይጽለውን በቲ ውርሻ ክርስትያናዊ ባህሎም ክሕበኑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፣ እቶም ብዝተፈላለዩ ጸገማት ተደሪኾም ዝስደዱን ዑቕባ ዝሓቱን ኣብ ማልታ ዝዝርከቡ ስደተይና ዜጋታት ብምሕሳብ ማልታ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ብምትሕብባር ሓለዋ ከተቕርበሎም ሓደራ ቢሎም፣ ጉዳይ ስደተይና ክፍሊ ሕብረተሰብ ንመላእ ዓለም ሕሊና ዓቢ ሕቶ ኢዮ ቢሎም፣ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ብቑዕ መልሲ ክረክብ ከምዘለዎ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ እቲ ክርስትያናዊ መለለዪ የገድደና ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ናይ ማልታ መዳይ ፖለቲካን ማሕበራዊ ሕይወትን ኣብ ሓድነትን ምትሕስሳብን ሓባራዊ ምክብባርን ዝቖመ ምዃኑ ድማ ዘኪሮም፣ እዚ ክቡር ክርስትያናዊ ባህል’ዚ ንናይ ማልታ ዜጋታት ሓቀይናን ምሉእ ምዕባለ ከምዘረጋገጽ ኣይጥራጠርን ኢየ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.