2010-04-20 13:39:24

መበል 33 ብሔራዊ ሓቆፍ ጉባኤ ማኅበር ተኃድሶ


እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ንሓቂ ዘሎ ፍቕርን ሓቂ ንምንዳይ ዝግበር ጻዕሪ ዝቐሃመሉ እዋን ከምዝኾነን እዚ ድማ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝቐርቡ ዘይእመኑ ናይ ሓሶት ስነ ሓሳብ ዝቐረበሉ RealAudioMP3 እዋን ኮይኑ ከምዘሎ ከምዘረጋገጸልና ናይ ኢጣሊያ ማኅበር ተኃድሶ ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ እቲ ማሕበር ተኃድሶ ኣብ ሪሚኒ ካብ ዕለት ሚያዝያ 29 ክሳብ ዕለት 2 ግንቦት ነኸካይዶ ሓቂንዎ ንዘሎ መበል 33 ብሔራዊ ሓቆፍ መደብ ጉባኤ ምኽንያት ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመልከቱ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሰብ ብሥጋን ብመንፈስን ዝቖመ ኢዩ፣ ስለዚ እቲ ኣብ ምዃን ሰብ ዘሎ መንፈሳውነትን ናብ ላዕሊ ዘቕንዕ ደረት ሰገር ሃረርታኡ ሓደ መግለጺ ኅላዌ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ እቲ ሓቅን ሕይወትን መገድን ድማ ክርስቶስ ኢዩ፣ ምስ ክርስቶስ ጥብቂ ርክብን ዕርክነትን ብምቛም ድማ ብመንፈሱ ከም ደቂ ቤተ ርክስትያን ኣብ መገዲ ፍቕሪ ንምንባር ዝተጸዋዕና ምዃንና ዝጽለየሉን ኣስተምህሮታት ዝቐርበሉን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቐርበሉን ጉባኤ ከምዝኾነ ከምዘመልከቱ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.