Home Archivio
2010-04-20 13:39:24
መበል 33 ብሔራዊ ሓቆፍ ጉባኤ ማኅበር ተኃድሶ
እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ንሓቂ ዘሎ ፍቕርን ሓቂ ንምንዳይ ዝግበር ጻዕሪ ዝቐሃመሉ እዋን ከምዝኾነን እዚ ድማ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝቐርቡ ዘይእመኑ ናይ ሓሶት ስነ ሓሳብ ዝቐረበሉ
እዋን ኮይኑ ከምዘሎ ከምዘረጋገጸልና ናይ ኢጣሊያ ማኅበር ተኃድሶ ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ እቲ ማሕበር ተኃድሶ ኣብ ሪሚኒ ካብ ዕለት ሚያዝያ 29 ክሳብ ዕለት 2 ግንቦት ነኸካይዶ ሓቂንዎ ንዘሎ መበል 33 ብሔራዊ ሓቆፍ መደብ ጉባኤ ምኽንያት ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመልከቱ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ሰብ ብሥጋን ብመንፈስን ዝቖመ ኢዩ፣ ስለዚ እቲ ኣብ ምዃን ሰብ ዘሎ መንፈሳውነትን ናብ ላዕሊ ዘቕንዕ ደረት ሰገር ሃረርታኡ ሓደ መግለጺ ኅላዌ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ እቲ ሓቅን ሕይወትን መገድን ድማ ክርስቶስ ኢዩ፣ ምስ ክርስቶስ ጥብቂ ርክብን ዕርክነትን ብምቛም ድማ ብመንፈሱ ከም ደቂ ቤተ ርክስትያን ኣብ መገዲ ፍቕሪ ንምንባር ዝተጸዋዕና ምዃንና ዝጽለየሉን ኣስተምህሮታት ዝቐርበሉን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝቐርበሉን ጉባኤ ከምዝኾነ ከምዘመልከቱ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
All the contents on this site are copyrighted ©.