2010-04-20 13:36:23

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሚላኖ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነብረሉ ንናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ክርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ብመበል 86 ዓመተ ምሥረታ RealAudioMP3 ናይ ሚላኖ ናይ ካቶሊክ ቅዱስ ልቢ መንበረ ጥበብ ምኽንያት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብ ኣብ ሕንጸት ሃገርን ዜጋታትን ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ዝተረጋገጸን ግሁድ እውን ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ኣስተዋጽኦ ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብ ሰብኣውነት ዘማእከለ ክርስትና ናይ ዝሓለፉ ክቡር ዋጋታት ናይ ተዘክሮ ማእከል ዘይኮነስ፣ ናይቲ ብቐጻልነት ኅልው ዝኾነን ዘይበርስ ክቡር ዋጋታት መንበር ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያት ኅልውትን ኣብ ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝግበር ዘተን ምይይጥን ክትዕን ተሳታፊት ኮይና ናይ ናጽነትን ሰላምን ሓቀይና ትርጕም ኣብሣሪትን ተጣባቒትን ኮይና ክትርከብ ኣለዋ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።

ሓቀይና ምዕባለ ዝረጋገጽ ኣብ በሳል ምንጽጻርን ምይይጥን ዝቖመ ቀልቢ ወይ ድማ ኣእምሮ ንናይ እምነት ውርሻ ፍርያማ ምስክንረት ክፉት ምስ ዝኾውን ጥራሕ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ሓቂ ብዝቖመ ፍቕሪ መሠረት ድማ መንነት ክርስትና ኣብ ማሕበራዊ ኅላዌ ክተኣታተው ከምዘለዎ ዝሓትት ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.