2010-04-17 13:30:33

ናይ ሓጎስን ሰናይን ምንዮት መልእኽቲ ን83 ዓመት ዕለተ ልደት ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ መበል 83 ዓመተ ልደቶም ከምዘኽበሩ እንክሕበር፣ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ዝርከብዎም ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖትን RealAudioMP3 መንግሥታትን መራሕቲ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩምን ናይ ርሑስ ዕለተ ልደት መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈሎም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።

ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሥልጣናዊ ትምህርቲ ብምድናቕ ውዕዉዕን ልዑልን ናይ ሓጎስ ምንዮት ከምዝገለጹ እንክንገር፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮቻና ክታን ዝተነበረሉ ብሽም መላእ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ብምኽንያት መበል 83 ዕለተ ልደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ንቅዱስ ኣቦና ቅርበቶምን ፍቕሮም ኣኽብሮትምን ምሉእ ምትሕብባርን ዳግም ብምሕዳስ ንቅዱስነቶም ዘለዎም ዘየማትእ ተኣዝዞን፣ ኣብቲ ቤተ ክርስትያንን መላእ ዓለምን ሓቀይናን ርጉጽን ጥበብ ዝዓሰሎ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዓሚዩቕን ጥበብ ዝተመልእ ሥልጣናዊ ትምህርቶም ዝህብዎ ናይ ሓቀይና ጓሳ ምስክርነት እምነቶም ብምንባር ሰናይ ዘበለ ኵሉ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተመነይሎም ተገሊጹ።

ሰኑይ ዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ንመንበረ ጴጥሮስ ዝተሓረይሉ መበል ሓምሻይ ዓመት እውን ከምዝብዕል በዚ ኣጋጣሚ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምዝካር ኣብቲ ጽኑዕን ዘይደክምን ወንጌል ናይ ምብሳር ትልእኾ ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያን መላእ ምእመናን ብምድናቕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቤተ ክርስትያን ውህደት ትእምርቲ ከምዝኾኑ ድማ ብምጥቃስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሓብሩ ብምርግጋጽ ኣብ ጸሎቶም ወትሩ ኅልው ከምዝኾኑ ብምግላጽ ፍቕሮምን ኣኽብሮቶም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊክ ምቕስቓስ ተሓድሶ ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 8 ብምጥቃስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ ኣይተኣምኑን…ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ? ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ይሰምዕ! ዝበለ ኢየሱስ ዝመስሉ ምእዃኖም ገሊጾም፣ ልቢ ሰብ ኣብ ዝተረረሉን ንሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ምስትውዓል ኣብ ዝጎደለሉ እዋን መንፈስ ቅዱስ ክሰርሕ ልቢ ሰብ ክትንክፍን ሰብኣዊ ፍጡር ናብ እግዚኣብሔር ክምለስን ጸሎት የድሊ ቢሎም ኵሉ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ዙርያ ቅዱስ ኣቦና ከምዝኾነ ዘረጋገጸሉን ፍቕሩን ኣኽብሮቱን ዝምስክረሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.