2010-04-17 13:36:07

በኒን፣ መበል 150 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል


ኣብ በኒን ማኅበር ልኡካነ ወንጌል ንኣፍሪቃ ብ 1860 ዓ.ም.ፈ. ወንጌል ዝተኣታተውሉን ክርስትና ዝተበገስሉ መበል 150 ዓመት ንምብዓል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቤኒን ካብ RealAudioMP3 ዕለት 18 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ. ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ክካየድ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ዓመት ኢዮቤል ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ በኒን፣ ኣብ ኣጎዌ ናይ ዳሳ ዙመ ሊቀ ጳጳስ ናይ በኒን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ አንቶይነ ጋንየ ምስ ናይታ ሃገር መላእ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ሓቢሮም ብዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ጽባሕ ክጅመር ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ኢዮቤል ኣስፍሆተ ወንጌል በኒን፣ ውርሻ ክርስትና ተቐበልትን ናይ መጻኢ ክርትና ሓነጽትን ናይ ተስፋ መሰኻኽርን ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ተገሊጹ። ምስ እዚ ዓመት ኢዮቤል እስፍሆተ ወንጌል ተተሓሒዙ ኣብ በኒን ንፈለማ ዳሆመይ ብ 1883 ዓ.ም. መንበር ሓዋርያዊ ኅይነት ኮይኑን ሎሚ ናይ ኮቶኑ ሰበኻ ንምዃን ዝበቕዔ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምምሕዳር ዝተመሥረተሉ መበል 150 ዓመት ብሓባር ክዝከር ምዃኑ እንክግለጽ፣ እዚ ዓመተ ኢዮቤል ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ በኒን ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ክፍጸም ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.