2010-04-17 13:34:32

መልእኽቲ ንመዕጸዊ ዓመት ክህነት


ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ናይ ካህናት ሓላዊ ቅዱስ ኩራቶ ዳርስ ኣብ ቤት ኣቦ ዝተወለደሉ መበል 150 ዓመት ምኽንያት ዝሓለፈ ዓመት RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 19 ሰነ 2009 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 19 ሰነ 2010 ዓ.ም. ዓመት ክህነት ኮይኑ ክብዕል ዝመሓላለፍዎ ኣዋጅ መሠረት ኣብ መላእ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ርክስትያን ብዝተፈላለዩ መደባት ተሰዩ ይቕጽል ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ መዕጸዎ ዓመተ ክህነት ዕለት 19 ሰነ 2010 ዓ.ም. እውን እንተኾነ ዓምተ ክህነት ደኣ ተዛዚሙ ማለት ሚሥጢረ ክህነት ዝግበር እስተንትኖን ሕንጸትን ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ብሓድሽ መንፈስ ዝነቓቓሓሉ ዕለት ማለት ምዃኑ ንመላእ ካህናት ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪቶም፣ ዕለት መዕጸዊ ዓመት ክህነት ፈላሚ ዓመት ክህነት ኢዩ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ኣብዚ እዋን’ዚ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸሙ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣውጊዞም፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ ገበን ትቃወም ጥራሕ ዘይኮነት ከይሓበኤትን ሸለል ከይበለትን ክጻረ ከምእትሓትትን ገሊጾም፣ ነዚ ዝተፈጸመ ገበን ጉልባብ ጌርካ መላእ ኵላዊት ቤተ ርክስትያንን መራሕታን ውሉደ ክህነት ምጽላም፣ ውልቃዊ ገበን ሓባራዊ ገብን ገይርካ ምርኣይ ዓቢ ጌጋ ኢዩ ኢሎም።

ዕለት 19 ሰነ 2010 ዓ.ም. ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሮማ ኣብ ዝቐርቡ መንፈሳዊ መደባት መላእ ካህናት ክሓብሩን፣ ርሑቕ ዝርከቡ እውን ብመንፈስ ክሓብሩ ብፁዕ ካርዲናል ሑመስ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ዙርያን መርሕነትን ጓስነትን ቅዱስ ኣቦና ሕብረቶምን ተኣዛነቶምን ክምስክሩ ኣተባቢዖም፣ ሕንጸት ውሉደ ክህነት ብቐሊል ክርአ ከምዘይብሉ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ብዅሉ ናይ ሕንጸት መዳያቱ ጽኑዕ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ካርዲናል እነከለዉን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም እውን ምስ ተሓርዩ ዕለት ዕለት ዝህብዎ ውሳኔ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.