2010-04-15 19:11:54

መግለጺ ውሃቢ ቃል ቅድስቲ መንበር፡


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አብ ላቲን አመሪካ አብ ቺለ ሐዋርያዊ ዕዱት ከካይዱ ከም ዝቀነዩን እቲ ሐዋርያዊ ዑደት ትማሊ ከም ዝተዛዘመን ክዝከር ከሎ አብ ሳንትያጎ ደል ቺል ቃለ መሕትት አብ ዘካየድሉ ግዜ አብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጸ ፍትወተ ስጋን ግብረ ሶዶምን ዝተአሳሰሩ ገባንት ኢዮም ብማለት መግለጺ ከም ዝሃቡን እዚ መግለጺ”ዚ ብብዙሐት መራኸቢ ብዙኀን ከም ዝተወቅሰን ይዝከር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዛዕባ”ዚ ዋና ጽሐፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ዝሃብዎ መግለጺ መብርሂ ከም ዝሃቡ ክአ ይፍለጥ ።

ውሃቢ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከም ዘመልከትዎ፡ መጀመርያ አባላት ቤተክርስትያን ብዛዕባ ግብረ ሰዶምንትን አብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጸ ፍትወተ ስጋን ሥነ አእምሮአውን ሕክምናውን ጉዳያት ዝካየድ መጽናዕቲ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ርእይቶ ክህቡ ስልጣን ከም ዘይብሎም ጠቂሶም ፡ ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አብ ሳንትያጎ ደል ቺለ ዝሃብዎ ርእይቶ ግን ምስቲ አብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ብአባላት ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ፡ ገበን ዝምልከት ኢዩ ኔሩ።

አብ ዝሐለፈ ቀረባ ዓመታት አብ ቅድስቲ መንበር ማሕበር መሠረተ እምነት ትምህርቲ ቤተክርስትያን ፡ አባላት ቤተክርስትያን ማለት ብካህናት አብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጽምዎ ዓመጸ ፍትወተ ስጋ ብዚምልከት ዘካየዶ መጽናዕቲ እቶም ተስዓ ካብ ሚእቲ ነቲ ነውሪን ሐጢአትን ዝፍጽሙ ካህናት ናይ ግብረሰዶማዊ ዝምባሌ ከም ዘለዎም አረዲኡ ብማለት ናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐበሬታ ሂቦም።

ስለዚ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አብ ሳንትያጎ ደል ቺለ ብቃለ መሕትት ዝሃብዎ መግለጺ ካብዚ ዝተላዕለን ሐፈሻዊ ዘይኮነን አብ ቤተክርስትያን ዝተሐጽረ ተርእዮ ንምግላጽ ከም ዝኾነ ክአ አተሐሒዞም መብርሂ ሂቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አብ ቺለ ንዓሰርተ አርባዕተ መዓልቲ ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ንቫቲካን ተመሊሶም አለዉ ።

ንሶም አብ ቺለ ምስ ናይ ቤተክርስትያንን መንግስትን ሰበስልጣናት ከም ዝተራኸቡን አብቲ ዝሐለፈ ወርሒ የካቲት ብምንዋጽ መሬት ዝዓነወ ክሊታት ከም ዝበጽሑን ምስቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ከም ዝተራኸቡን ይፍለጥ።

ተቅዋማት ቤተክርስትያን ነቲ ግዳይ ምንዋጽ መሬት ዝኾነ ህዝቢ ዝህብኦ ሰብአዊ ረዲኤትን ብቤተክርስትያን ዝውነኑ አብያተትምህርት ከም ዝተዓዘቡን ዳግመ ህንጻ ብዚምልከት ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣናት ቤተክርስያንን መንግስትን ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡን ካብ ሳንትያጎ ደል ቺለ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

በዚ ካብ ሳንትያጎ ደል ቺለ ዝመጸ ዜና መሠረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ አብ ቺለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዘካየድሉ ግዜ ምስ ናይ ቺለ ረኪበ ጳጳሳት ተራኺቦም አብ ዝተፈላለዩ አብያተ ክርስትያናት መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም።

ቺለ አብዚ ግዜ”ዚ መበል ክልተ ሚእቲ ዓመት ነጻነት ተኽብር ከም ዘላ ክዝከር ከሎ፡ ቤተክርስትያንን መንግስትን አብ ውሽጢ ክለተ ሚእቲ ዓመት ዝተሰየመ መድረኽ ዘተን ሕድሕድ ምይይጥን ከም ዝመርሑ ክአ እዚ ካብ ሳንትያጎ ደል ቺለ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

ብዘይካ ቺለ አርኸንቲና ቦሊቭያ ኮሎምቢያ ኤኳዶር መኽሲኮ መበል ክልተ ሚእቲ ዓመት ነጻነት የኽብራ ከም ዘለዋ ዝዝከር ኢዩ ።

አብቲ አብ ሳንትያጎ ደል ቺለ ዝተኻየደ ናይ ዘተን ምይይጥን መድረኽ አውራ አውራ ባዕዳውያን ገዛእቲ አብ ልዕሊዘን ሀገራት እዚአተን ዝፈጸምዎ ስቃይን ግህሰት መሰል ሰባትን ከም ዝተዘርበሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.