2010-04-13 14:20:44

ዋሽንግተን፣ ብዛዕባ ኣጽዋር ኑክሊየር ዝዝቲ ዋዕላ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣሸበርቲ ብኣጽዋር ኑክሊየር ዝተሰነየ ከስዕብዎ ዝከኣል ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ንምፍሻልን ብዓንተውኡ ንምቁጽጻርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ RealAudioMP3 ንኽዝተ ዝጠለብዎ ንኽልተ መዓልቲ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ኣብ ዋሽንግቶን ከምእተጀመረ እንክሕበር፣ እዚ ናይ መራሕቲ ጉባኤ እቲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ሩሲያን ብዛዕባ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ብዝብልከት ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ድሕሪ ምፍርራም ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዓቢ ደገፍ ምዃኑ ይንገር።

ብዛዕባ እዚ ሰሜን ኮርያን ኢራንን ዘይተዓደማሉ ናይ 47 ሃገራት መራሕቲ ዘራኽብ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ምርጋፍ ከቢድ ኣጽዋር ዝከታተል ዓለም ሓቆፍ ናይ መጽናዕቲ ቤት መዝገብ ምኽትል ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ማውሪዚዮ ሲሞንቸሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ፣ እዚ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መግለጺ ኣስተዋጽኦ፣ ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ክበጽሕ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ንምርግጋእን ሰላምን ዓለም ዓቢ ስግኣት ከምዝኾነ ከምዘመልከቱ ጠቒሶም፣ ናይ ኑክሊየር ምዕባለ እደ ጥበብ ዝከታተልን ዝቆጻጸርን መላእ ሃገራት ዓለም ዝጥርንፍ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር እዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኑክሊየር ንኅብረተሰብኣዊ ጥቕሚ ንምውዓል ዝግበር ጻዕርን ዝከታተልን ነዚ ሰላማዊ ጉዳይ ዝድግፍ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኑክሊየር ባንኪ ቤት ክቐውምን ናይ ኑክሊየር ጸዓት ዘድልያ ሃገር ነዚ ባንኪ ቤት ክትውከስን እተቕርቦ መደብ ኑክሊየር ክጻረን ንረብሓ ኅብረተሰብ ዘውዕሎ ምዃኑ ብዘይ ምቁራጽ ዝከታተል ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ንኢራን ንምቁጽጻር ዝሃቀነ ጥራሕ ዘይኮነዝ ንዅለን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ ኑክሊየር ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ንኸይርከብን ሰላምን ምርግጋእን ንሓደጋ ከይቃላዕን ዝተባብዕ መደብ ክረጋገጽ ዝመያየጥ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.