2010-04-13 14:15:30

ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ


ድሕሪ እቲ ኣብ 2002 ዓ.ም. ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ስነ ቅመራ ምዕባለን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተደገፈ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘካየዶ ብዛዕባ ሓደስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃን RealAudioMP3 ምዕባለታትን ተልእኮ ቤተ ክርስትያንን ዝዘተየ ጉባኤ ኣስዒቡ፣ ብናይ መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለታት ብምጥቃም ዝቐርብ ምስክርነት ርእሰ ጉዳይ ዝመያየጥ ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ሊቃውንትን ናይ ስነ ባህሊ ኣካላት ዘሳትፍ ጉባኤ ካብ ዕለት 22 ለካቲት ክሳብ 24 ለካቲት 2010 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዛዕባ እዚ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሔራዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሐሊ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ፖምፒሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ምዕባለ ተክኖሎጂ እዚዩ ዘደንቕን ዕለት ካብ ዕለት ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ዘኪሮም፣ እዚ ምዕባለ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮናን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ርክባትና ዘለዎ ጽልዋ እውን ልዑል ኢይ ኢሎም፣ ንኣብነት ናይቲ ብፌስ ቡክ ዝጽዋዕ መርበብ ዝጥቀም ብዝሒ መንሰይ 67 ካብ ሚእቲ ምዃኑ፣ ምዕባለ ርክባት መርበባዊ ንናይ ሰብኣውን ማኅበራውን ሕንጸት ዝረብሕን ናይ ስነ ምግባር መምዘኒ ዝኽተልን ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኢዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ካብቲ እዋናዊ ቋንቋ ሰብን ምዕባለን ክትፍለ ስለ ዘይብላ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እተቕርቦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ስብከተ ወንጌልን ነዚ ምዕባለ ዝጥቀም ክኸውን ኣለዎ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኅልው ኩነታት ክትርከብ ኣለዋ ስለዚ እዚ ዝካየድ ጉባኤ ነዚ ጉዳይ ኣብ ግምት ዘእትው ምዃኑ ሓቢሮም በዚ ሓድሽ ምዕባለ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስላጥን ነዚ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክረጋገጽ ዘተባብዕ እውን ከምዝኸውን ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.