2010-04-13 14:13:52

ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት


ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ክርስትያናዊ ሱርበተኻዊ ለውጢ ጸላኢኻ ምፍቃር ዝብል ጸዋዕታ ምዃኑ ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ሰንበት በዓለ ፋሲካ RealAudioMP3 በዓለ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ዝተበዓለሉ ሰንበት ኣብ ዝቕረብዎ ኣስተምህሮ ብምምልካት፣ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን እቲ ጭቡጥ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ፍቕሪ ዘሎ ሓጎስ ሰበስር ኢዩ ኢሎም።

ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ተኺተላ እትመጽእ ሰንበት፣ በዓለ መለኮታዊ ምሕረት ዝብዕለላ ንክተኸውን ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝኽበር ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እንታይነት ፍቕራዊ ምሕረት እግዚኣብሔርን ማእከል ብሥራተ ቃል ኣምላኽ እንከረድኡ ንናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ተግባርን ዝተወከፍና እምበር ኣብ ናይ ጸልማት ኃይሊ እንህውትትን በዚ ኃይሊ እዚ ዝተሓጸርና ከምዘይኮንና ብምምልካት፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩላ ዕለት ጀሚሮም ብዝተፈላለየ እዋን ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ዘመሓላልፍዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ተጠቂሱ ይርከብ። ማእከል ትምህርቶም ብዛዕባ ኣድማስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን፣ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘለዓለማውን ዕለት ዕለት ኅያውን፣ ሽሕ’ኳ እግዚኣብሔር ደረት ሠገርን ኣብቲ ብናቱ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ዝኾነ ዘበለ ኵሉ ዝፈርድን እውን እንተኾነ ንፍጥረቱ ቀረባን ሓብሓብን ምዃኑ የረድኡ።

ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ንፍርድን ንዅራን ደንጓይን፣ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን ብምሕረት ሃብታም ከምዝኾነን፣ ወትሩ ይቕረ ክብለልናን ክምሕረናን ክድግፈናን ቅሩብ ብምዃኑ፣ እዚ ድማ እቲ ሓቅነት ዕብየቱ ዝገልጽ ተግባር ምዃኑ ኣብ 2006 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ዕለት ሓደ ሥራሕ እግዚኣብሔር ዓቢይ ኢዩ፣ እቲ ዕብየቱ ኣዚዩ ዝገልጸልና መሓሪ ምዃኑ ኢዩ፣ ኃይሊ እግዚኣብሔር ኣብ ምፍጣር ኢዩ፣ ካብቲ ኣብ ምፍጣር ዝግለጽ ዕብየት እግዚኣብሔር፣ ዝዓበየ እቲ ኣብ መሕረቱ ዘሎ ኢዩ፣ እንክብሉ ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ዝተሓላለፍዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ከምዘመልከቱ ይዝከር።

ቅዱስ በነዲክቶስ ምሕረት እግዚኣብሔር ደንጕዩ ቢልና ኣብ ምህረት እግዚኣብሔር ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን፣ ኢየሱስ ነጻነትና የኽብርን ናትና ንንስሓ ንምልዋጥን ዘሎና ቅሩብነት ብትዕግሥቲ ይጽበ ኢዩ፣ ስለምንታይሲ ብምሕረቱ ሃብታም ስለ ዝኾነ ኢዩ፣ እክብሉ ድማ ኣብ 2006 ዓ.ም. ዕለት 18 ጥቅምቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱ ይዝከር።

ብዛዕባ እቲ ዘሎና ውሱንነትን ድሩትነትን ምሕረት ክንሓትትን ልብና ክልወጥን ኣብ ጎዳና ቅድስና መታን ክንጎዓዝ መለኮታዊ ምሕረት ዘድልየና ምዃኑ ኣፍልጦ ክህልወና ይግባእ፣ ብሕልፊ ድማ ካህናት ነዚ መለኮታዊ ምሕረት ኣስተማቒሮምን ኣብ ሕይወቶም ምስ ተመከሩሉ ጥራሕ ኢዩ ምህረቱ ክእውጁን ከመሓድሩን ዝኽእሉ እንክብሉ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ንናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘሃብዎ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱ ዝዝከር ኢዩ።

ሱርበተኻዊ ለውጢ ክርስትና ጸላኢኻ ኣፍቅር ኣብ ዝብል እቲ ዓለም ዝኽተሎ ኣገባብ ናይ ርቶዓዊ ኣተሓሳስባ ዝጻረርን ኣብ ናይ ኤኮኖምን ናይ ፖለቲካን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ረኣዩለይ መድረኻት ሥልጣን ስልቲ ዘይኣምንን ነዚ ዓይነት እመለካኽታ ዝጻረርን ኢዩ፣ ናይ ፍቕሪ ሱርበተኻዊ ለውጢ ኣብ ኃይሊ ሰብ ዘይጽጋዕን ኣብ ፍቓድ ምሕረት እግዚኣብሔር ብምውካፍ ዝርከብ ጸጋ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ብዘይ ጫውጫውን ረኣዩለይ ዓለም ዝልውጥ ወንጌል ዘቕርቦ ሓድሽ መገዲ ኢዩ፣ ምሕረት እግዚኣብሔር ሕወይትካ ነቶም ዘፍቅሩኻ ጥራሕ ዘይኮነስ ምእንቲ እቶም ዝጸልኡኻ እውን ብምስዋዕ ዝግለጽ ኢዩ እንክብሉ ኣብ ዕለት 18 ለካቲት 2007 ዓ.ም. ኣብ ረቡዓዊ እስተምህሮ ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርቲ ክርስቶስ ተመልኪቱ ዝርከብ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.