2010-04-08 17:59:40

ግዱሳትን ተብዓትን መሰኻኽር ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ የድልዩና አለው።


ትማል ንጋሆ ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ናይ ዕረፍቶም ሓዋርያዊ አደራሽ ካስተል ጋንደልፎ ብሄሊኮፕቶር ናብ መንበረ ጴጥሮስ ብምምጻእ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቃሎም ክሰምዑ ዝጽበዩ ዝነበሩ ብአሽሓት ዝቁጸሩ ምእመናን ሮማን ነጋድያንን “ሠናይ ዜና ፋሲካ ውፉያትን ተባዓትን መሰኻኽር ከምዝሓትት” ድሕሪ ምግላጽ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን አብቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ዘለዎ እምነት ብተአማንነት ክምስክሩ ጸዊዕም።

ዕብየት ሠናይ ዜና ትንሣኤ እንክገልጹ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዘመዝገቦ ዓወት ጥዑምን ዘሐጕስን መንፈሳዊ ደስታን ባህታን ዘምጽእ ሠናይ ብሥራት ምዃኑ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጾሞ።

“አብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰባት እዛ ብሥራት እዚኣ ናይ ብሓቂ ሠናይ ዜና እያ፣ እዚ ብቀንዱ እቲ ቃል እግዚአብሔር ዝኾነ ወንጌል ኣብ ዘመናት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ብምትሕልላፍ ዝሰበኾ ብሥራት እዩ። ምሥጢረ ፋሲካ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ሥልጣን እግዚአብሔር ኣቦ ዝተራእየሉ እዩ፣ ብፍጹም ፍሉይ ፍጻሜ ኢዩ፣ ዝበለጸን ርጡብን ፍረ ምሥጢረ እግዚአብሔር እዩ። ብማለት ዕብየት ምሥጢረ ትንሣኤ ድሕሪ ምግላጽ እዚ ፍጻሜ እዚ ጭቡጥ ምዃኑ ከአ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ትንሣኤ ክርስቶስ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ፣ ዝተመስከረሉን ኣብ መዝገብ ዝሰፈረን ብርግጽ ዝኾነ ሓቀኛ ፍጻሜ ኢዩ፣ እዚ ፍጻሜ እዚ ምንጪ ዓንዲ እምነትና ስለዝኾነ ናይቲ እንአምኖ መሠረታዊ ትሕዝቶ እዩ፣ ንምንታይ ከምእንአምን እውን ምሉእን አዕጋብን መልሲ እዩ፣ ኩሉ እምነትና ከስ ነዚ ሠናይ ዜና እዚ ብቀጻልነትን ብተአማንነትን አብ ምትሕልላፍ ይምሥረት፣ በዚ ከአ ውፉያትን ተባዕትን መሰካኽር ይሓትት። ጐይታ ከም ትማል ምስ መሰኻኽሩ ከምዝሠርሕ ከአ ርግጸኛታት ኢና።

ምስ በሉ ነዚ ርግጽነት እዚ ሎሚ እውን ብተግባሮም ዝምስክሩ ከምዘለው እንኪገልጹ፦ “አብነታውያን ተኸተልቲ ክርስቶስን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ፍትሒ ብምምርኳስ ብዓቅሊ እሂን ምሂን ብምብህሃልን ብምክብባርን ንርእሶም ገዲፎም ምእንቲ ማኅበረሰብ መሥዋዕቲ ዝኸፍሉን እንክርኢ ዘርኢ ሓቀኛን ነባርን ሰላም ክበቁል እንክንዕዘብ ጭብጢ ናይዚ ምስክርነት እዚ እዩ፣ እዚ ዝኾነሉ ከአ ኣብዚ ዓለምዚ ሥቃይን ዓመጽን ዘይምርድዳእን ኣብ እንዕዘበሉ ጊዜ እዩ።

ስለዚኸስ እዚ ፋሲካ እዚ ንእምነትና እንደገና አበራቢርና በተአማንነት እንምስክረሉ ምሩጽ ጊዜ ይኹነልና፣ ብታሕጓስ ትንሣኤ ክርስቶስ ንምላእ፣ ነቶም ከይሰልከዩ ንተልእኾኦም ተቀቢሎም ክሳብ አባና ነዚ ሠናይ ዜና እዚ ዘብፅሑ እልቢ ዘይብሎም ሠራዊት አመንቲ ክርስቶስ ነመግኖም።” ብማለት ነቲ ዝተቀበልናዮ ሠናይ ዜና ንሕናው እውን ብግደና ብተመስጦን ብትብዓትን ክንምስክር ሓደራ ቢሎም።
አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንኹሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋ ድሕሪ ምምስጋን ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብን ርሑስ በዓል ፋሲካ ብምምናይን ናይ ትማል ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።







All the contents on this site are copyrighted ©.