2010-04-08 18:00:47

ንዚመጽእ ዕለት 19 ሚያዝያ ቅርያት ቅዱስ ፕዮ (ፓድረ ፕዮ) ካብ ናይ ቀደም መካነ ንግደት ናብ ሓዲስ ቤተ ክርስትያን ክግዕዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።


ኣብ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ብስም ቅዱስ ፕዮ (ፓድረ ፕዮ) ሓዲስ ቤተ ክርስትያን ብረንዞ ፕያኖ ዝተባህለ መሃንዲስ ተሃኒጹ አገልግሎት ይህብ አሎ፣ ቅርያት (ሬሳ) ቅዱስ ፕዮ (ፓድረ ፕዮ) ክሳብ ሕጂ ካብ ቤተ ክርስትያን መካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጸጋ (ማዶና ደለ ግራዜ) ምዕራፈ ጻድቃን ናብዚ ሓዲስ ቤተ ክርትያን ኣብ ዚመጽእ ዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ ሰዓት አርባዕተን ፈረቃን ድሕሪ ቀትሪ ክግዕዝ ምዃኑ ካብ ማኅበር ኣኅዋት ካፑቺኒ ናይ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ዝተመሓላለፈ ጋዜጣዊ መግለጺ አፍሊጡ። ኣብዚ ጋዜጣዊ መግሊጺ ናይ ማንፍረዶኒኣ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሚከለ ካስትሮን ናይ ንኡሳን አኃው ካፑቺኒ ሃገረ ስብከት ሳንታ ኣንጀሎን ፓድረ ፕዮን ጠቅላሊ ሓለቃን ካልኦት ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተረኺቦም ነሮም። ናይ ንኡሳን አኃው ካፑቺኒ ሃገረ ስብከት ሳንታ ኣንጀሎን ፓድረ ፕዮን ጠቅላሊ ሓለቃ ነቲ ዕለት አመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እዚ ዕለትዚ ንዝኽሪ ሓሙሻይ ዓመት ሢመተ ርእሰ ሊቀ ጵጵስና በነዲክቶስ መበል 16ን ምጅማር መበል 125 ጠቅላሊ ጉባኤ ንኡሳን አኃው ካፑቺንን ንምዝካር እዩ፣” ድሕሪ ምባል ንምግዓዝ ቅርያት ቅዱስ ፓድረ ፕዮ አመልኪቶም ድማ “ክንዮ እቲ ምልክት ናይ ክብሪ ናይቶም ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከለው አምሳል ክርስቶስ ኮይኖም ዝተሳቀዩ ምምልካት፣ ነጋድያን እውን ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ክጽልዩን ከስተንትኑን መንፈሳዊ ዳግመ ልደት ንኽረኽቡን እዩ” እንክብሉ እቲ ሓዲስ ቤተ ክርስትያን ንኩሉ አብ ግምት አእትዩ ዝተሃንጸ ሰፊሕን ምቹእን ቦታ ምዃኑ ሓቢሮም።
ቅርያት ቅዱስ ፓድረ ፕዮ ብ1968 ዓ.ም. እዩ አብ ምዕራፈ ጻድቃን ናይቲ መካነ ንግደት ዝተቀብረ፣ ካብ 2008 ክሳብ 2009 ሕዝቢ ንኽርእዮን ንኽጽልን ኣብ ክፉት ቦታ ተንቢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.