2010-04-06 16:19:58

ቀዳም ሥዑር 2010 ( 2002 ዓ.ም.)


እመስቀሉ ክርስቶስ ውስተ ሲኦል ወሪዶ፥ ለጸላኢ ቀተሎ፥ ርእሶ መተሮ”

ንባባት፡ 2ቆሮንጦስ 5፡ 6~ፍ፥ ሮሜ 6፡3~1 1ጴጥ 3፡ 15~ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡12~4፡5 ማቴ 27፡62 ~ፍ ሉቃስ 24፡1~12

ስብከት፡ አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።

ኢየሱስ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ግዓር ሞይቱ። ወንጌላውያን አብቲ ኢየሱስ ዝሞቶሉ ሰዓት ሰማይ ጸልሚቱ፥መጋረጃ ቤተ መቕደስ አብ ክልተ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተተርቲሩ ይብሉና (ማቴ 27፡51) እዚ ኸአ ሞት ናይ ክርስቶስ ንብሉይ ኪዳን ከምዝተክኦ ንምምልካት እዩ። ምሸት ዓርቢ ምስ ኮነ ናብ ቀዳም ፋሲካ አይሁድ ዘውግሕ ስለ ዝነበረ እቶም ሬሳታት ክቕበሩ ነርዎም ስለዚ ንጲልጦስ አእጋሮም ሰቢሮም ክውርድዎም ሓቲቶሞ። ጲላጦስ ምማቱ ምስ አረጋገጸ ከምድላዮም ክገብሩ አፍቂድሎም፥ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ብዂናት ጎኑ ወጊእዎ ሽዑ ደምን ማይን ወጸኡ (ዮሓ 19፡33) ቅዱስ አጎስጦኖስ አብዚ ከስተንተን ከሎ ካብቲ ዝተኸፍተ ጎኒ ኢየሱስ ምስጢራትን ቤተክርስትያንን ወጺኦም ይብል። ናይ ሕይወት ማዕጾ ተኸፈቱ ሽዑ ምስጢራት ካብኡ ውሒዞም ብዘይ ምስጢራት አብ ሓቀኛ ሕይወት ክእቶ አይክአልን እዩ። (ቅ. አጎስጢኖስ አብ ቀንጌል ዮሓንስ ዝገበሮ መጽናዕቲ፥ 120፥2) ቤተክርስትያን አብ ዓለም ብጸጋ እግዚአብሔር ትዓቢ፥ ናይ እዚ ዕብየት ቤተክርስትያን ብደምን ማይን ይምሰል ካብቲ ዝተኸፍተ ጎድኒ ስቑል ኢየሱስ ዝፈሰሰ ( ፪ቫቲካን ብርሃን አሕዛብ 3)። ካብ መስቀል ምስ አውረድዎ አብ ሕቚፊ አዲኡ አውሪዶሞ፥ ኩሉ ሰውነቱ ቖሲሉ እንከሎ ርእያቶ ሓቒፋቶ እዚ ንኹልና ብሰብአዊ ዓይኒ ክንርእዮ ኸሎና ከቢድ እዩ ማርያም ግን ካብ መጀመርታ ከምቲ ስምዖን ነቢይ ዝበላ ኲናት አብ ልብኺ ክአቱ እዩ ዝበላ ብሞቱን ኩሎም ስለ ዝኸሓድዎን ክልተ ዂናት ተቐቢላ። ሞት ኢየሱስ ካብ ሓጢአት ጥራሕ አይኮነን አድኂኑና ንፍቓድ አምላኽ ልዕሊ ኹሉ ግላዊ ድሌታትና ክንሰርዕ፥ከመይ ገርና ክንምሕር ከምዝግብአና ወላ እቲ መባእስትና እንተዘይተጣዕሰ፥ ከመይገርና እቕረ ከም ንብል ምሂሩና፥ ክሳብ መጨረሽታ ክሳብ ሞት ከመይ ገርና አርድእቱ ከም ንኸውን፥ ከመይ ገርና ንስቓይ ተጻዊርና ክንጉዓዝ እውን ምሂሩና እዩ። ቅዱስ በናቨንቱር ዝብሃል ክንደይ ጥዑም ኢዩ ምስ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ምዃን ይብል ነበረ። ሰለስተ ነገራት ይምነ ነበረ ሓደ አብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ምዃን ካልአይ አብ ትሕቲ ኢድ ኢየሱስ ምዃን ሳልሳይ ከአ አብ ጎኒ ኢየሱስ ኮንካ ምንባር። ኩልና ክንምነዮ ዝግባእ ሰናይ ትምኒት።

ኢየሱስ ምስ ሞተ ኒቆዲሞስን ዮሴፍ ብዓል አርማትያስ ዝተባህሉ ቀበርዎ። ዮሴፍ ሃብታም ብዙሕ ብዛዕብኡ አብ ወንጌል ዘይንገር ኢየሱስ ምስ ሞተ ሽዑ ተኸታል ኢየሱስ ምዃኑ ዝተግለጸ ብድፍረት ንጲላጦስ ንሬሳ ኢየሱስ ይሓትት። ንሬሳ ኢየሱስ ንወዲ አምላኽ፥ ሃብቲ ቤተክርስትያን ዝኾነ ሰውነት ይሓትት። አብዚ እዋን ኩሎም ሓዋርያት ብዘይ ዮሓንስ ሓዲጎሞ ሃዲሞም ብማዕዶ ዝአምኑ ዝነበሩ ግን አብ ሞቱ አይሓደግዎን። ንሬሳ ከይፈርሑ ሓቲቶም። ምስ ዮሴፍ ኒቆዲሞስ አቐዲሙ ብለይቲ ምስ ኢየሱስ ዘዕለለ ይመጽእ ኩሉ ዘድሊ አብ ሥርዓተ ረሳ የማልእ። ስነስርዓት ቀብሪ ኢየሱስ ብውሑዳት አንስትን አሰብኡትን እዩ ተፈጺሙ። ሕሙማት ዘሕዊ ዝነበረ፥ ሙታን ዘተንስኤ፥ ኩሉ ቃል አምላኽ ዘስተምህር ዝነበረ ብኹሎም ተኻሒዱ። ንሕናኸ ምስመኒኦም ኢና እስከ ንነፍስና ንሕተት። ስነስርዓት ቀብሩ ብተሃዋኽ ፈጺሞሞ ምኽንያቱ ንጽባሒቱ ሰንበት አይሁድ ስለ ዝነበረ ብዉሑዳት ሰባት መብዝሕትኤን አንስቲ ተፈጺሙ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ንሬሳ ኢየሱስ ክሓጽብዎ ኩሉ ስርዓት ክፍጽሙሉ ከለው ፍሉይ ትእምርቲ አለዎ ማለት ንሰውነት ክርስቶስ ምሓዝ ክንደይ ከብርን ጸጋን አለዎ። ሎሚ ሰውነት ክርስቶስ ብመልክዕ ህብስቲን ወይንን ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ ክንበጽሖ ክንሕዞ ይደልየና።

ሰውነት ኢየሱስ አብ መቓብር ምስ አተወ ዓለም ጸልማት ኮነት። ማርያም ንበይና ብርሃን ተሪፋ። ናይ ድሕነት ሥራሕ ተፈጺሙ ካብ ሕጂ ንድሓር ደቂ አምላኽ ኢና፥ ምኽንያቱ ኢየሱስ ምእንታና መይቱ ዕርቡን ድሕነት ሂቡልና እዩ። (1ቆሮ 6፡20) አነን ንስኹምን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለልና ኢና። ሎሚ ሕይወትን ሞትን ክርስቶስ አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሕይወት ክነምጽኦ አሎና። ብንስሓን ተጋድሎን ክንመውት አሎና ክርስቶስ ብፍቕሪ አባን ምእንቲ ክነብር።

ሓዋርያት ሬሳ ኢየሱስ ክቕበር እንከሎ አበይ ከም ዝነበሩ እንፈልጦ ነገር የለን፥ ምናልባት አብቲ ከባቢ ተሓቢኦም ይዕዘቡ ነሮም ይኾኑ ማለት ፈሪሖም ተስፋ ቆሪፎም ጉህዮም ዝገብርዎ ጠፊእዎም ፀሓይ ዓሪባቶም ነራ ትኸውን ዘይተጸበይዎ ነገር አጓኒፍዎም ወላእኳ አግሂዱ አነ ክመውት እየ ግን ክትንሥእ እየ ኢልዎም ይንበር እምበር።አብ መዓልቲ ሰንበት ወይ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ወይ ቀዳም ብሓንሳብ ዝተራእዩሉ (ሉቃስ 24፡9) ሓደ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል አብ አደ ኢየሱስ ስለ ዝተመልሱ እዩ።ንሳ ብእምነታ፥ ብተስፍአ፥ብፍቕራ ነታ እትውለድ ዝነበረት ቤተክርስትያን ዑቕብአ ኮይና። ሽዑ ቤተክርስትያን ተወሊዳ አብ ትሕቲ ጽላል ማርያም። ንሳ ካብ መጀመርታ ናይ ኩሎም እቶም አብትሕቲ ጭቖና ዝርከቡ አላይት እያ። እዚ ዕለት ንማርያም መዓልቲ ሓዘን አይኮነን ወዳ ካብ ስቓይ ነጻ ኮይኑ፥ ስለዚ ንትንሣኤኡ ትጽበ ነራ። በዚ እያ ነተን ንሬሳ ኢየሱስ ክቐብአ ዝኸዳ ዘይሰዓበተን። ቀዳም ሥዑር እምብአር ነዚ ዕሞቕ ተረዲእና ክነብዕሎ ይግባእ።

ቀዳም ሥዑር መበሊአ መቅድም ትንሣኤ ስለ ዝኾነት እያ፥ አብ ክንድአ እሑድ ሰንበት ተሠርዐት ብሥዕረት ትንሣኤ ክርስቶስ ተተክኤት፥ ቅዳሴ አትናቴዎስ ንቐዳም ሥዑርን ንእሑድ ሰንበትን እንከነጻጽር፥ “ንዑ ንቦኽሪ በዓለት ቅድስት ሰንበተ ክርስትያን ናኽብራ፥ እዚአ ዕለት ንነብያት ተፈልጠት ንኅዝቢ አይሁድ ግን ተሰወረት፥ ብአና ግን ብምሉእ ተገልጸት . . . በብሶሙን ትብዓል. . . በዚአ ዕለት እሱራት ተፈትሑ፥ ገባር ነጻ ወጹ” ይብል። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቀዳም ናብ ሲኦል ወረደ ነቶም አብኡ ተሓይሮም ዝነበሩ ነፍሳት ሓርነት ዝአወጀሉ ( 1ጴጥሮ 3፡19) ካብ መቝሕ ፈቲሑ መንግስተ ሰማይ ዘእተወሉ ስለ ዝኾነ ቀዳም ሥዑር ትብሃል። ኩሎም መዃንንቲ ጽልመት ተሳዓሮም ከምኡ ኩሉ ንሓዲስ ምዕራፍ ክኽተል ሓዲስ መገዲ ተሰሪዕሉ ስለዚ አረጊት ተቐይሩ ብሓዲስ ተተኪኡ በዚ ኸአ ቀዳም ሥዑር ተባሂሉ። አብ ሥርዓትና ትንሣኤ ክርስቶስ ሰላምን ዕርቅን ከም ዝኾነ ንምምልካት “ ገብረ ሰላም በመስቀሉ ትንሣኤሁ አግሃደ” እናዘመርና ብድሮ ትንሣኤ ታሕጓስና ንምግላጽ ሰቲ ንዕድል ንሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ መታን ክንክተል። ነቲ ብቀዳም ሥዑር አብ ርእስና ዝገበርናዮ ሰት ሰንበት ፋስካ ለይቲ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ምስተባህል ንበትኮ ምልክት ስዕረት ጸልማት፥ ምልክት ምስ ክርስቶስ ምትንሣእ እዩ።

ሞት ንኢየሱስ አብ መቓብር አይዓገቶን መረት ውሒጣ አየትረፈቶን መቓብር ጥርሑ ጸንሐ እናበሉ ወንጌላውያን ይነግሩና። ትሩፋት መስዋዕቱ ነቶም ቅድሚኡ አብ ሲኦል ዝነበሩ ነጻነት ክእውጅ ናብ ሲኦል ወረደ። ኩሉ ተልእኮኡ ምስ ፈጸመ “ተፈጸመ” ዝበለ ኢየሱስ ምድራዊ ሕይወቱ ፈጺሙ ብሓዲስ መልክዕ ነቲ ዝፈጸሞ ብዝበለጸን ዝሓሸን ገሩ ጀሚርዎ። አብ ቀዳም ሥዑር ዝተፈጸመ ክንርኢ ከሎና ፍሉይ አስተንትኖ ይሓተና።ኢየሱስ ቅድሚ ምማቱ ዘሕለፎ ክንሓስብ ከሎና ዕሞቕ ትንሣኤኡ ክንርዳእ ይሕግዘና።

ፍሉይ ነገር አብ ዓለም አጋጢሙ፥ ዓቢ ጸጥታ ኮይኑ ዓለም ጸጥ ኢላ ከምይ እቲ ንጉሥ ናይ ነገስታት አብ ከርሲ ምድሪ ሓዲሩ አብአ ደቂሱ። ንሱ ካብ ድቃስ ተበራቢሩ ነቶም አቐዲሞም ዝደቀሱ ከበራብሮም ምእንቲ። ንሱ ብሥጋ መይቱ ሽዑ ሲኦል እንቀጥቂጣ፥ ንቀዳሞት ወለድና ከናዲ ከደ፥ ነቶም አብ ጸልማት ዝነብሩ ዝነበሩ ካብ ድነ ጸልማት ነጻ ከውጽኦም፥ ንአዳምን ሔዋን ብሥጋ ወዶም ስለ ዝኾነ ነጻ ከውጽኦም ናብኦም ከደ። መስቀል ተሰኪሙ ናብኦም ከይዱ ምኽንያቱ ብአኡ ገሩ ዓወት ስለ ዘምጽኤ። ውጽኡ እናበለ ነጸነት አወጀሎም ንሰማይ ሒዝዎም ከደ ይብለና ትውፊት። እዚ ኹሉ አብ አስተንትኖ ቀዳም ሥዑር ንረኽቦ።

ድሕሪ ሞቱ ዝተረኽበ ጸጋ ክነስተንትን ከሎና ብፍሉይ ንሎሚ ዝኾነና እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ንርአ።


ሎሚ መኃኒና አብ መቓብር ዝአተወላ ግን ብሞት ናብ ሕይወት ዝሰገረላ ዕለት ዘኪርና አሎና። ሞት አፍደገ ሰማይ ከፋቲት ኮይና። ክርስቶስ ብዝያዳ አብ መንጎ አርድእቱ ከምዘሎ ተገሊጹ። ትንሣኤ ክንረክብ ሞት መጋበሪ ኮይኑ ክንትንሥእ ምስኡ ክንመወት አሎና። ምስ ክርስቶስ ምሟት ማለት ከአ ካብ ኩሉ ምስ ክርስትስ ካብ ዝፈልየካ ምርሓቕ ማለት እዩ። ሎሚ ሰላም፥ሕድገት፥ አዊጅና ንኢየሱስ ምሳኻ አሎኹ እንብለላ ዕለት እያ። ልብና ልብስና ጻዕድዩ አበሰርቲ ትንሣኤ ክንከውን አብቲ ሞቱ ንሓጢአት ንሙት ንኹሉ ብሉይ ሕይወትና ብጸጋ ትንሣኤ ንሓድሶ። ኩልና መንፈስ ትንሣኤ ለቢስና ንሓዲስ ስብከት ንበገስ። ንሱ ሰላም ንአኻትኩም ይኹን ሰላመይ እህበኩም አሎኹ ክብለና ንዑ አብኡ ምስ ማርያምን ኩሎም አሕዋትናን ኮና “ትንሣኤኻ ንዝአመና ብርሃንካ ስደደልና ንበሎ”።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.