2010-04-04 12:34:54

ሮብዓዊ ትምህርቲ ርሊጳ በነዲክት፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ከምቲ ልሙድ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ሮብዓዊ ትምህርቲ ሂቦም ።

ቅድስነቶም አብቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ዝሃብዎ ሮብዓዊ ትምህርቲ፡ ድሕሪ ሰብዓን ክልተን ሰዓታት ንትንሳኤ ክርስቶስ ከም ዝብዓል ጠቂሶም ፡ ግዜ ብስቅታን ጸሎትን አስተንትኖን ሰዓታት ከም ዝኾኑ አመልኪቶም።

ማኅበረ ሰብ ቤተክርስትያን ከምኡ ክአ ምእመናን ጸዋዕታ ክርስትንኦም እምነቶም አብ ክርስቶስ ዘለዎም ፍቅሪ ዘሐድስሉ ግዜ ከም ዝኾነ ጠቂሶም አብ ሕማማት ክርስቶስ ምትኳር ከም ዘድሊ አመልኪቶም ክአ ብስራሕ ክርስቶ ክንምሰጥ ክነስተንትን ከም ዝግባእ ብምትሕስሳብ ፡ ካብ ዝሐለፈ ዓማት 2009 ዝቀጸለ ዓመተ ክህነት ከም ዝኾነ ብምዝኽካር ብሐፈሻ ኩሎም አባላትን አካላትን ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መልእኽተኛታት ሰላም መልእኽተኛት ዕርቅን ፍቅርን ከም ዝኾኑ አረዲኦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ ምሸት ሐሙስ አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኩሎም አባላት ማኅበረ ሰብ ክርስትያን አብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ህዝበ ክርስትያን ብጸሎትን አስተንትኖን ዝጽመደሉ ግዜ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

እዚ ብመድኀኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረ ምስራዕ ቅዱስ ቁርባን”ዚ ንሰብ ምስ እግዚአብሔር ዘተዓረቀ ወዲ ሰብ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንክሰግር ዕድል ዝሀበ ዓቢ ምስጢር ከም ዝኾነ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቦም ።

ምሸት ሐሙስ ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ ቃል ናብ ስቅታን ጸሎትን ዝተቀየረሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጌታ ሰማኒ ክድይብ ዝጀመረሉ ናብ ከሄሉ ኩሉ እግዚአብሔር ዝጠመተሉ ፍሉይ ጊዘ ከም ዝኾነ ክአ አረዲኦም ።

ህዝበ ክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ወዲ ሰብ ዝፈጸሞም ምስጢራት ዘስተንትነሉ ነዚ መስመር”ዚ ንምኽታል ቅርጺ ፍቃድ ዝገብረሉ ፍልይን ምስጢር ዝሐዘለን ግዜ ከም ዝኾነ ዘኪሮም ክአ ፡ ምእመናን አብ ኩሉ ዝክአሎ እግዚአብሔ ዘለዎም ፍቅሪ ዘሔድስሉ ዘስተንትንሉ ጾምን ጸሎትን ዘዘውትሩሉ ግዜ ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ጽባሕ ዓርቢ ስቅለት ከም ዝኾነ ዘኪሮም ክአ መድህን ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ዘርኢ ሰብ ደሙን ስግኡን ዘወፈየሉ ምድራዊ ሕይወቱ ዝፈጸመሉ ዕለት ከም ዝኾነ ቀዳም ስዑር ጩራ ትንሳኤ ዝተራእየሉ ግዜ ከም ዝኾነ ዘኪሮም ንትንሳኤኡ ነጺሕና ካብ ክፉእ ዝኾነ ነገራት ኩሉ ተዓጊትና ክንጽበ ምዒዶም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ አነዲክቶስ ሎሚ ንግሆ አብ ካትደራል ቅዱስ ጰሮስ መዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ፡ ቅዱስ ዘይቲ ክአ ባሪኾም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ አብ ካተድራል ቅዱስ ዮሐንስ ዘላተራኖ ሥርዓተ መባእታ ጸሎት ሳልስቲ ዝኽሪ ምሥራዕ ቅዱስ ቁርባን ሥርዓተ ሕፅበተ እግሪ ፈጺሞም ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና አብዚ ዓመት”ዚ ብሥርዓተ ምስራቅዊት ቤተክርስትያንን ላቲንን አብ ሐደ ዕለት ትንስኤ ክርስቶስ ይኽበር ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.