2010-04-04 12:12:21

ርሊጳ ፡ ምእመናን ክጽልዩ ተማሕጺኖም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ ምእመናን ምእንቲ”ቶም አብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝስደዱ ዘለው ክርስትያን ተልእኮ ቅዱስ ወንጌል ጸሎት ክዕርጉ ከም ዝተላበዉ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለፂ አመልኪቱ።

አብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ዝርከቡ ሰበኽያነ ቅዱስ ወንጌል በመንፈስ ቅዱስ ተሐጊዞም ንዘርኢ ሰብ ብስራተ ቅዱስ ወንጌል ከስምዑ ምእንትኦም ምጽላይ ከም ዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘገንዘቡ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ሐደ አብ ኢንዶነዚያ ዝርከቡ ሳቨርያናዊ ሚስዮናዊ አብ ሲልቫኖ ላውረንዚ ብዛዕባ”ዚ ጉዳይ”ዚ ክገልጹ እንከለዉ ፡ እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምእንቲ ልኡካነ ቅዱስ ወንጌል ጸሎት ክግበር ዝሀብዎ መግለጺ ሚስዮናውያን አሰር ክርስቶስ ንምኽታል ዘተባብዕ ጽንኩር ኩነታት ብመንፈሳዊ ሐይሊ ንኽትሰግሮ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ አብ ኢንዶነዚያ ዝርከቡ ሚስዮናውያን ብሐጎስ ተቀቢሎሞ አለዉ ።

ብፍላይ ክአ አብዚ ግዜ ሕማማትን ትንሳኤን ግዜ ጸሎት ምእንቲ ልኡካነ ቅዱስ ወንጌል ዝግበር ጸሎት አድማዒ ሞራል ዝህብ ከም ዝኾነ አብ ኢንዶነዚያ ሳቨርያናዊ ሚስዮናዊ ካህን አባ ሲልቫኖ ላውረንዚ አብ ጃካርታ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

ሰባኽያነ ቅዱስ ወንጌል ሕይወቶም ከፊሎም ቅዱስ ወንጌል ከም ዘበስሩ ዘመልከቱ አባ ሲላልቫኖ ላውረንጺ አብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ምስዳድ መስቀሎም ተሰኪሞም ከም ዝጓዓዙ አረዲኦም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.