2010-03-25 18:55:23

እምነትን ሳይንስን አይጋጮን እዩ


“መንጎ እምነትን ሳይንስን ውህደት አሎ” አሎ እንክብሉ ቅዱስ አቦና ትማሊ ሮቡዕ አብቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ አስተምህሮኦም ገሊጾም። ብቐጻሊ ዘስተምህርዎ ዘለው ትምህርተ አበው ብምቅጻል ትማል ሮቡዕ እውን ብዛዕባ ቅዱስ አልበርት ዓቢይ እንክምሩ ዕብየተ ናይዚ ናይ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ቅዱስ ኣብ ብስለቱን ትምህርቱን ተአማንነቱን ከምዝኾነ አብሪሆም። ትምህርቱ አብ ስፍሓትን ዕምቈትን መወዳድርቲ ዘይነበሮ ሎሚ እውን እንተኾነ ብቝዕን አድላይን ምዃኑ እውን ግሊጾም። ቅዱስ አልበርት ካብቶም ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ትኵረት እትኽተለዎምን ትምህርቶም እትአምኖን አበው ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ከም መዛኑኦም አበው ሊቅ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ “Doctor universalis” እንክትብል ዓለም ለኻዊ ናይ ኩሉ ሊቅ እንኽትብል ፍሉይ ቅጽል ትውስኸሉ። ሕይወትን ትምህርትን ቅዱስ አለበርት ሎሚ ዝምህረና ዓቢይ ነገር ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ ትምህርቶም ከምዝበልዎ “ሎሚ ሊቃውንቲ ሳይንስ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ መጽናዕቲ ተፈጥሮ ዘድንቅን ቅኑዕን ጉዕዞ ቅድስና ክገብሩ ከምዝኽእሉ” ህያው አብነትን ምስክርን እዩ።

ቅዱስነቶም ነዙይ እንከብራህርሁ እንትርፊ ሓደ ክልተ አብ ታሪኽ ተመዝጊቦም ዘለው ፍጻሜታት ኣብ መንጎ ሳይንስን እምነትን ግርጭት የልቦን፣ ነዙይ ከአ ቅዱስ አልበርት ዓቢይ ይምስክር። ቅዱስ አልበርት ዓቢይ አባል ዶመኒካውያን ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሰፊሕን ዓሚቍን ፍልጠት መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝነበሮ፣ ጸዋዕታኡ ድሕሪ ሰፊሕን ዓሚቍን መጽናዕቲ ዝተገልጸሉ ንሰባክያነ ወንጌል ዝኾኑ ዶመኒካውያን ድሕሪ ምፍላጥን ምስ እግዚአብሔር ዓሚቍ ርክብ ምግባርን ብመብጽዓ ንእግዚአብሔርን አገልግሎት ቃሉን ሓንሳብ ምስ ተወፈየ ንድሕሪት ቍሊሕ ዘይበለ ዓቢይ ሊቅ ቤተ ክርስትያን እዩ። ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ሳይንስን ብሓባር ክጐዓዙ ከምዝኽእሉ ንምግላጽ ናይ ጸሎት ሰብ ምዃንን ጥንቁቅን ዓሚቍን ትዕዝብቲ ፍጻሜታት ባህርይ ከምዘድሊ ከምዘመልከተ ቅዱስነቶም ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጾሞ። ቅዱስ አልበርት ዓቢይ ሎሚ እውን ንዓና ዘስተምህረና ነገራት ብዙሕ አሎ። ከም ቅዱስ አለበርት ዓቢይ ናይ እምነትን ጸሎትን ሰብ እንተኸንካ ናይ ባህርያዊ ሳይንስ ፍልጠት ብህድአት ክትእክብ ትኽእል ነቲ ጽምዓትን ፍቅርን እግዚአብሔር ዘርዊ ሕጊ ተፈጥሮን ኩነቱን እናዳህሰስካናይ ንእሽቶን ዓቢይን ዓለማት ናይ ባዕላኻን ህዋን ፍልጠት ከተማዕብል ትኽእል። ፍጥረት እቲ ጥበብ ብርእሳ ዝኾነ እግዚአብሔር ንርእሱ ዝገልጸና ቀዳማይ ቋንቋ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ይዛረበና።

ቅዱስ አልበርት ኣብ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዘተአታተዎ መጽናዕቲ ሥነ ፍልጠት ጥራይ አይኮነን፣ነቲ ኣብቲ ዘመን እቲ ከም ናይ አረማውያን ትምህርትን ተጻይ እምነት ክርስትናን ዝቍጸር ዝነበረ ፍልስፍና አሪስቶትል እውን ኣብ ጥቅምን አገልግሎትን ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ምስ ተሎግያን እምነትን ከምዝሰማማዕ ብምግባር ዓቢይ ምዕባሌ ትምህርቲ ንባበ መለኮት አታትዩ፣ በዚ ኸስ እዚ ክሳብ ሎሚ ዝካየድ መጽናዕቲ ፍልስፍናን ንባበ መለኮትን ሽሕኳ ብድሕሪኡ ዝመጹ እንተማዕበለ በሪ ክፋትን ድልዱል መሠረት ዘንበረን ንሱ እዩ። ፍልስፍናን ተሎግያን ክልተ ዝተፈላለያ መጽናዕታት እኳ እንተኾና ነቲ ዘይረዊ ጽምዓት ሓቂ ንዘለዎ አእምሮ ወዲ ሰብ ስለዘርውያ አብ ሓቂ ይሰማማዓ። እንክብል ነቲ ሓቂ ብርእሱ ዝኾነ እግዚአብሔር ብሃሰሳ ሥነ ፍልጠት ናይዚ እንርእዮ ፍጥረት ምንጪ ፈጣሪ ጥበበኛን ርኅሩሕን ከምዝኾነ ክንረኽቦ ንኽእል እንክብል ብሥነ ፍልጠትን ፍልስፍናን ተደጊፍና ንፍጥረት ብምንባብ ኣብ ኅላዌ እግዚአብሔር ክንበጽሕ ከምንእኽእል ይገልጽ።
ትምህርቲ ቅዱስ አልበርት መሠረት ብምግባር ቅዱስነቶም “ተፈጥሮ ወይ ፍጥረት ብእግዚአብሔር ዝተደርሰ ዓቢይ መጽሓፍ ከምዝኾነ” ወዲ ሰብ ከአ ነዚ መጽሓፍ ብምንባብ ናብቲ ምንጩን ፈጣሪኡን ዝኾነ ናይ ጥበበኛታት ጠቢብን ከአል ኩሉን እንግዚአብሔር ክንበጽሕ፣ ደቂ ሰባት ሥነፍልጠት ብምጽናዕ ነቲ ዝተዋህቦም መጽናዕቲ ናይ ቅድስናኦም መጋበሪ ክገብርዎ” ሓደራ ብማለት ትምህርቶም ዛዚሞም።







All the contents on this site are copyrighted ©.