2010-03-23 18:06:04

ቫቲካን፣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ስካንዲናቭያን ብፁዓን ጳጳሳት


ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት፣ ናይ ስካንዲናቪያን ማለት ናይ ዴንማርክን ኖርውይን ስዊድንን ፊላንድን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም ብዛዕባ ኵነታት ቤተ ክርስትያን ሃገራቶምን ውሉደ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን ድሕሪ ምዝታይ ከብ ቅዱስነቶም መሪሕ ቃል ከምእተለገሰሎም ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ ኣመልኪቱ።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ  ስካንዲናቪያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንደርሶን ኣርቦረሊዩስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ሃገራት ስካንዲናቪያን ካቶሊካውያን ምእመናን መብዛሕቲኦም ወጻእተይናታትን ካብ ፖላንድን፣ ሊትዋኒያን ኣሜሪካ ላቲንን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ስደተይናታት ከምዝኾኑን ቁጽሮም እውን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ኣብዚ እዋን ምስ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ስካንዲናቪያን ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ካቶሊካውያን 3 ሚእታዊ ዝሽፍን ምዃኑ ኣመልኪቶም። ኣብ ሓንቲ ቁምስና ካብ ዝተፈላለያ ማለት ካብ 50 ሃገራት ንላዕሊ ዝመጹ ስደተይና ዓለማውያን ምእመናን ከምዝርከቡ ገሊጾም፣ እዞም ዝተፈላለዩ ኣብ ስካንዲናቪያን ሃገራት ዝነብሩ ካቶሊካውያን ስደተይናታት ብናይ ስካንዲናቪያን ዜግነት ናይ ሃባር ረቛሑ ዝጥርነፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ኡንኮ ኣካል ቤተ ክርስትያን ክኾኑን ሓድነቶም በዚ ክጸንዕ ሕንጸት ከምዝረኽቡን፣ ደቂ ሃገር ውሉደ ክህነት ውሑዳት ስለ ዝኾኑ፣ በዚ ምኽንያት ካብ ወጻኢ ዝመጹ ካህናት ኣብ ስካንዲናቪያን ሃገራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ፣ ጸዋዕታ ገዳማውያን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ኣዘካኺሮም ባህልን ሕዝብን ስካንዲናቪያን ሃገራት ምእማንን ዘይምእማንን ሓደ ኢዩ ብዝብልን ደረጃ ክብር ዋጋ ዝበሃል የሎን ቢሉ ዝኣምን ባህሊ ተዛማድነት እዚዩ ዝተጠቕዔ ብምዃኑ፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ ብዚ ባህሊ ዝዕብለል ዘሎ ሕዝብን ባህልን ባህሊ ወንጌልን እምነትን ምምስካር ኣብ ምምስካር ትርከብ። እዚ ተዛማድነት ዘንጸባርቕ ባህሊ ኣብ ምዃን ወዲ ሰብ ንዘሎ ዝንባሌ መንፈሳውነት ዝሓክኽ ኣይኮነን፣ በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ሃይማኖትን መንፈሳውነትን እምነትን ዝምልከቱ ሕቶታት ክለዓሉ ብተደጋጋሚ ይርኤ ኢዩ። ነዚ ዝርኤ ጽምኣት መንፈሳውነት ንዝተፈላለዩ ኣወታውን ኣሉታውን ሃይማኖታት ጥጡሕ ባይታ ኮይኑ ኣሎ፣ ስለዚህ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንምስፍሕፋሕ ናይ ጉጅለ ሃይማኖታት ምቹእ ኮይኑ ይርከብ ምስ በሉ፣ ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብእምነት ዝተኾልዔን ብስነ ባህሊ ዝተሃንጸ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተባቦ ኢዩ ኢሎም።

ወንጌል ንምስፍሕፋሕ ዝድርኽ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ኣንቢብካን ምስ’ዚ ዝመዓራረይ  ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምስንዳው የድሊ ምስ በሉ፣ ኣብ 1989 ዓ.ም.ፈ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ስካንዲናቪያን ሃገራት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብዚ ከባቢ ኅላዌ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘረጋገጸን ዝመስከረን ኢዩ። ብሓጺሩ ኅብረሰብ ስካንዲናቪያን ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መዓጸዉ ክርህው ገይሩ ኢዩ፣ ክርስትና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክፍለጥ ዝገበረ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ናይ ስካንዲናቪያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ንኸካይዶ መዲብዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣኼባኡ ሥድራ ቤት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ከምዝኸውን ሓቢሮም፣ እዚ ከባቢ ብሓቕ ብናይ ውልቃውነት ባህሊ ዝምራሕ ብምዃኑ ቤተ ሰብ ማእከል ኅብረሰብ ምዃኑን፣ ነዚ ብንጹር ዝምልከት መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሓንጺጹ፣ ነቲ ኣነ ዝብል ኣንሕና ዝብልን ገዛእ ርእስኻ ምዃን ዝሓኽኽ ባህሊ ብወንጌላዊ ባህሊ ክትካእ ቤተ ክርስትያን  ስካንዲናቪያን ኣበኪራ ክምእተስተምህር ገሊጾም።

ኣብ መደምደምታ፣ ኣብ መግኖ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ርክብን ዘተን ኣመልኪቶም፣ ምስ ሉተራን ቤተ ክርስትያን ዘሎ ርክብ ኣድማዒ ከዝምኾነ ሓቢሮም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓንቀጸ ሃይማኖት ዘማእከለ ናይ ሓባር ዘተ ከምእተፈጸመ ገሊጾም። እዚ ናይ ስዊድንን ፊላንድን ኣቢያተ ክርስትያን ዘነቓቐሐኦ መደብ ናይ ሓባር ዘተ ከምዘነበረ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ናይቲ ዝተፈጸመ ናይ ሓባር ዘተ ዝምልከት ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ቀረባ እዋን ተሓቲሙ ክቐርብ ኢዩ ኢሎም። ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ፣ ንናይ ስካንዲናቪያን ቤተ ክርስትያን ክዕመም ዘለዎ ሕጹጽ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ምስ በሉ፣ ብዙሓት ማኅበረ ክርስትያን በቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸረ ክርስትያን ተግባራት ተደሪኾም ናብ ስካንዲናቪያን ሃገራት ዝመጹ፣ ንኣብነት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ብዙሓት ኢዮም፣ ኣብ ስካንዲናቪያን ሃገራት ምስ መጹ ምስቲ ኣብዚ ከባቢ ናይ ምስልምና ሃይማንቶት ዝኽተል ማኅበረሰብ ተረሓሒቖም ተቐያይሞም ከይተርፉ ምስ ምስልምና ሃይማኖት ኣብ ሰላምን ምቅርራብም ምክብባርን ዝቖመ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ማዕርነትን ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ነጻነት ንኽኽበር ዘነቓቕሕ ናይ ሓባር ዘተ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተተባብዕን  እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.