2010-03-23 18:08:30

ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምራሕ መደብ ሥርዓተ አምልኾ ሰሙነ ሕማማት


ናይ ሰሙነ ሕማማት መደብ ጸሎት ሥርዓተ አምልኾ ትማሊ ብወግዒ ተአዊጁ። እዚ መደብ እዚ ካብ በዓል ዕለተ ሆሳዕና ክሳብ በዓል ትንሣኤ የጠቃልል። ብዕለት 28 መጋቢት 2010 ዓ.ም.ፈ ዕለተ ሆሳዕና ብምዃኑ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ዕለቱ ቅዳሴ ቡራኬ ሆሳዕናን ቘጽሊ አውሊዕን ድሕሪ ምፍጻም ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ስለዝኾነ እውን ንመንእሰያት ዝምልከት አስተምህሮ ክህቡ እዮም። በዚ ዕለት እዚ ዑደተ ሆሳዕናን ዝኽሪ ሕማማት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዕለተ መንእሰያትን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ አቦና ብዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኪፍጸም ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

ብዕለት 1 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ ዓቢይ በዓል ጸሎተ ሐሙስ ብምዃኑ አብዚ ዕለት እዚ እውን ቅዱስ ኣቦና ሰዓት 9:30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዚዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓተ ቡራኬ ቅዱስ ዘይት ክፍጸም እዩ፣ ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ መደብ መኽፈቲ ጸሎት ሣልስቲ ትንሣኤ ንምጅማርን ምሥራዕ ቅዱስ ቍርባን ዝሕመረቱ በዓል ቅዱስ ቍርባን ንምዝካር ከማኡ እውን ሥርዓተ ሕፅበተ እግር ንምፍጻም ብናይ ሮማ አቆጻጽራ ሰዓት ሰዓት 5:30 ፈረቃን ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ላተራኖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድራር ኢየሱስ ክገብሩ እዮም። ምስ እዚ ተታሒዙ ኣብ ዝመጸ ዜና ከምዝተመልከተ ኣብዚ ሥርዓት እዚ ዚሳተፉ ነቲ ብርዕደ መሬት ዝዓነወ ዘርአ ክህነት ሃይቲ ከም ብሓዲሽ ንምህናጽ ናይ ግብረ ሠናይ ተበግሶ ከምዝግበር እውን ተሐቢሩ።

ብዕልት 2 ሚያዝያ 2010 ዓምፈ ዓርቢ ስቅለት ብምዃኑ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 5:00 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥርዓተ ስግደትን ጸሎትን ዓርቢ ስቅለት ክፍጽሙ እዮም፣ ሰዓት 9:00 ኸአ እቲ ልሙድ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣብ ኮለሰዮ ከዕርጉ እዮም።

ቀዳም ዕለት 3 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 9:00 ናይ ምሸት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ በዓለ ትንሣኤ ናይ ድሮ ቅዳሴ ከዕርጉ፣ ንጽባሒቱ ዕለት 4 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለቱ ቅዳሴ ከዕርጉ ኣብ ፍጻሜ ከአ ንከተማን መላእ ዓለምን “ኡርቢ አት ኦርቢ” ቡርኬ ክህቡ ምዃኖም ተሓብሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.