2010-03-23 18:26:38

ማላዊ፣ መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ ጉዳይ መሰል ማዕርነት


ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገሮም ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ንስትዮን ዘሎ መሰል ማዕርነት ክረጋገጽ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ ኤኮኖምን ፖለቲካውን ማኅበራውን ጉዳያት ማዕርነት ደቀ ንስትዮ ክረጋግጽ ከምዘለዎን፣ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ኣድልዎ ብምቅዋም ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፣ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣብ ውሳኔ ሃገር ክህሉን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ናይሮቢ ቺሳ እተሰምያ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ኣብ ሥድራ ቤትን ቤተ ክርስትያንን ብሓፈሻኡ ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ መሰል ደቀ ንስትዮ ክረጋገጽን፣ መሰል ማዕርነት ጉዳይ ፍትሒ እምበር ግብረ ሰናይ ከምዘይኮነ ብጹዓን ጳጳሳት ማላዊ ብምትንታን፣ ናይ ደቀ ንስትዮ ሰብኣዊ መሰል ብምርግጋጽ ኣብ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መዳይ ተሳትፎኤን ምሕያልን ምትብባዕን ንናይ ማኅበርሰብ ዕብየትን ብስለትን ወሳኒ ኢዩ ከምዝበሉ ቺሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

እቲ ናይ ማላዊ ብጹዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ ቀጹሉ፣ ደቀ ንስትዮ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደለን ጸጋ ኣብ ጥቅሚ ሥድራ ማኅበርሰብ ክውዕል እግዚኣብሔር ዝዓደለን ሰብኣዊ ክብረን ውሑስ ክከውን ከምዘለዎ ጻውዒት ብምቕራብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ከምዝደምደሙ ናይ ናይሮቢ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.