2010-03-23 18:12:46

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ካቶሊካውያን አየርላንድ


ብሰንኪ አብ ቤተ ክርስትያን አየርላድ ብሓድሓደ ኣባላት ቤተ ክህነት ዝተፈጸመ ዘይቅኑዕ ጾታዊ ዓመጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አየርላድን ብሓባር ድሕሪ ምጽላይን ምምይያጥን ቅዱስ አቦና ነዚ ኩነታት እዚ ንምእራም ዘድሊ ተሓድሶን መአረምታን ምእንቲ ክግበር ሐዋርያዊት መልእኽቲ ጽሒፎም ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተዘርገሐት ዝዝከር እዩ።

ብሓፈሻ እዛ መልእኽቲ እዚ አብ ሥቃይ ኮንካ ብተስፋ ምንባር እንክተመልክት ብኩሎም ምእመናንን ዓለምለኸ መራኸቢ ብዙኃንን ዓቢ አቃልቦ ተዋሂብዋ ኩሉ ብዛዕባ ይዛረብ አሎ። እዚ ዕንቅፋት እዚ ንቤተ ክርትያንን ንመልክዕ አገልጎታን እኳ እንተአደበኖ ትሩፋት ሕማማት ክርስቶስ ንኩሉ ክፍውስ ስለዝኽእል ከምብሓዲሽ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ዝበደልካዮምን በደልካ ብምእማን ንሰማያውን ምድራውን ፍትሒ ኢድካ ብምሃብ ንዝተፈጸመ በደል ምኽሓስ ከምዘድሊ አመልኪቶም።

ነዚ መልእኽቲ ብዝምልከት ብዙሓት ርእይቶኦም ሂቦም፣ ሓደ ካብኦም ናይ ኮሞ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዲየጎ ኮለቲ ንረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ “ብርግጽ እዛ መልእኽቲ ብርቱዕ ኃይለ ቃል አለዋ፣ እዚ ግን ነቲ መላእ ቤተ ክርስትያንን ቤተ ክህነትን ዝገብርዎ እዝግን ሰብን ዝፈልጦ ሠናይ ተግባር ብሓፈሻ ቅኑዕን ጽቡቅን ምዃኑ ከዘንግዓና የብሉን። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ትዛረበሉ ዘላ ጉዳይ ከበድቲ በደላት አጸየፍቲ ተግባራት ልዕሊ ኩሉ እቲ በደል ኣብ ሎዕሊ ንጹሃት ክፍጸም ከሎ ከምቲ ኢየሱስ ብብርቱዕ ኃይለ ቃል “ወይልኡ ነዞም ንጹሓትን ናአሽቱን ዕንቅፋት ዝኾነ” ዝብሎ ቅዱስነቶም እውን ከምኡ ኢዮም ዝገበሩ። ብሕልፊ ንካህናት ብዝርኢ ሽሕኳ ምሕረት አምላኽ ገደብ አልቦ እንተኾነ ፍትሒ ከምዘሎ ከይዝንግዑ ብማለት በቲ ሓደ ምሕረትን ተስፋን በቲ ሓደ ፍትሒ አመዛዚንካ ንምኽኣል ፈጸምቲ ናይዚ አጸያፊ በደል ሓላፍነት ናይ ዝፈጸምዎ ዓገብ ክሽከሙ ካብ አምላኽን ካብቶም ዝበደልዎምን ምሕረት ክልምኑ ንዝፈጸምዎ በደል ክኽሕሱ ብቁዕ ንስሓ ክገብሩን ብመንግሥታዊ ቤት ፍርድታት ዝወርዶም መቅጻዕቲ ክቅበሉን ከምዘለዎም ይሕብር።

ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍዋስ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ክዝረበሉ ዝቀነየ ኣብ ዘርአ ክህነት ብሡሩ ዓቢ ተሃድሶ የድሊ፣ ንክህነት ንዝኵስኰሱ ተመሃሮ ኣብ ዘርአ ክህነት ካብ ምእታው ጀሚርካ ጽዑቅ ምክትታል ምግባር የድሊ፣ ቅዱስነቶም ከአ ኣብ መልእኽቶም ነዚ እዮም ሐደራ ዝብሉ ዘለው። ኣንክብሉ ትሕዝቶ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍትሕን ምሕረትን ዝሕመረቱ ኮይኑ ብቀዳምነት ነቶም ግዳይ ናይዚ ጽዩፍ ተግባር ዝኾነ ንምጽንናዕ ንቤተ ክርስትያን ከአ ከም ጓሳ እንተላዕለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን መሪሕ ቃል ንምሃብ ከምዝኾነ አብሪሆም።








All the contents on this site are copyrighted ©.