2010-03-22 18:15:19

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዕለተ መንእሰያት


“አንታ ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ እግበር” ማር.10:17

ዝኸበርኩም አዕሩኽተይ,

ናይ መላእ ዓለም አመንቲ መንእሰያት ዕለተ ቈጸራ ክትከውን ብክቡር የሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወሰነት ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ሎምዘመን ንመበል 25 ግዜ ንዝክራ አሎና። ሓዲስ ትውልዲ ክርስትና ንኽራኸቡን ቃል አምላኽ ንኽሰምዑን ጽባቄ ቤተ ክርስትያን ንኽፈልጡን ውዕውዕ ተመኵሮ እምነት ብምቅሳም ንብዙኃት ብዅልንትናኦም ንክርቶስ ከምዝውፈዩ ዝገበረን ብዙሕ ፍረ ዘፍረየን ብሓቂ ትንቢታዊ ተበግሶ እዩ ነይሩ።

ናይ ሎምዘመን መበል 25 ዕለተ መንእሰያት ነቲ ንዓመታ ኣብ ወርሒ ነሐሰ 2010 ዓ.ም. አብ ማድሪድ እንገብሮ ዓለም ለኻዊ ርክብ ሓደ ስጉምቲ እዩ፣ ብብዝሒ መጺእኩም ነዚ ናይ ጸጋ ጊዜ ክትሳተፉ ከአ በዓል ብዙሕ ተስፋ እየ።
ነዚ ዓቢ ፍጻሜ ንምስንዳው ብዛዕባ ናይዚ ዓመት እዚ አርእስቲ ቁሩብ አስተንትኖ ከቅርበልኩም እፈቱ። እቲ አርእስቲ “አንታ ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ እግበር” ዝብል ኮይኑ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 10:17 ተጠቂሱ ዘሎ ሃብታም መንእሰይ ንኢየሱስ ምስ ረኸበ ዘቅረቦ ሕቶ እዩ። እዚ አርእስቲ እዚ ድሮ ብ1985 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመጀመርያ ጊዜ ናብ መንእሰያት ዘቅነዔት ጽብቅቲ መልእኽቲ ቀሪቡ ነይሩ እዩ።
 1. ኢየሱስ ሐደ መንእሰይ ይረክብ

ማር 10,17-22

እዚ ታሪኽ እዚ ኢየሱስ ናብ መንእሰያት ክንደየናይ የተኵር ከምዝነበረ የመልክት፣ ናባኹም ናብ ናይ ሎሚ መንእሰያት እውን ከምዘተኵር የመልክት፣ ናብ ትጽቢታትኩም ናብ ተስፋታትኩም ብምትኳር ብአካል ክረኽበኩምን ምስ ነፍሲ ወከፍኩም ክዋሳእን ዓቢ ሃረርታ ከምዘለዎ ተረድኡ። ዝኾነ መንእሰይ ምስ ሕያዋይ መምህር ክመያየጥ ዓቢ ሃረርታ ብምሕዳር መንገዲ ድሕነት ካባኡ ንኽመሃር ሕቶ እንተ አቅሪብሉ ብርግጽ ክርስቶስ ነዚ ሕቶ ንኪምልስ ኩሉ ብምግዳፍ ምሉእ አቃልቦኡ ናብቲ መንእሰይ ይገብር። ቅድመይ ዝንበሩ በዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ “ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ምስ ክርስቶስ ክዋሳእ፣ እዚ ተዋስኦ እዚ ከአ ንመንእሰይ መሠረታዊ አድላይነት ከምዘላ አብ መልእክቶም ቍ.2 አመልኪቶም ነሮም።

2. ኢየሱስ ጠመቶ አፍቀሮ ከአ

አብ ትረኻ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ “ኢየሱስ ነቲ መንእሰይ አተኵሩ ጠመቶ ፈተዎ ከአ” (ማር.10:21) ቢሉ ብኃይለ ቃል ይገልጾ። ኣብ ምጥማት ኢየሱስ ናይዚ ፍሉይ ርክብን ናይ ኩሉ ተመኵሮ ክርስትናን ሕመረት አሎ። ስለዝኾነ ከአ ክርስትና ብቀዳምነት ሞራላዊ ናይ ሠናይ ምግባር ትምህርቲ አይኮአን፣ መንእሰይ ንኹን ሽማግለ ድኻታት ንኹን ሃብታማት ብዘየገድስ ወላ እውን ካባኡ እንተርሓቅና ምስቲ ብአካል ዘፍቅረና ኢየሱስ ናይ ዚግበር ግላዊ ርክብ ተመኵሮ እዩ፣

ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ናባኹም ናብ መንእሰያት ዘቅነዔ መልእኽቲ እንክትርጕሙ፦ “ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ክትረኽቡ እምነየልኩም፣ እቲ ሓቂ ብርእሱ ዝኾነ ክርስቶስ ብፍቅሪ እናጠመተኩም ነቲ ሓዊ ክተስተማቅሩ እምነየልኩም” (መልእኽቲ ንመንእሰያት ቍ.7) ይብሉ። እዚ ፍቅሪ እዚ ብምልአትን ብፍጽምናን ኣብ መስቀል ተገሊጹልና፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዓቢ አድናቆት ነዚ ፍቅሪ እዚ ክገልጽ ከሎ “አፍቂሩኒ ንርእሱ ከአ ምእንታይ በጃ ሃበ” (ገላ. 2:20) ይብል። ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን “እግዚአብሔር አቦ ካብ ጥንቲ ብወዱ ከምዘፍቀረና ክርስቶስ ከአ ንነፍሲ ወከና ወትሩ ከምዘፍቅረና ምፍላጥ ሕመረት ብምዃን ንምሉእ መዋእል ደቂ ሰባት ውሕስነትን ጸግዕን ይኾኖ” (መልእቲ ንመንእሰያት ቍ.7) በዚ ከአ ንኩሉ ፈተናታት ኃጢኣትና ምፍላጥ ሥቃይን ተስፋ ቍርጸትን ከም እነሸንፍ ይገብረና።

ምንጪ ናይ ኩሉ ሕይወት ክርስትናን መሠረታዊ ምኽንያት ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን ኣብዚ ፍቅሪ እዚ ይርከብ። ንክርስቶስ እንተደአ ብሓቂ ረኺብና ነቶም ገና ነዚ ናይ ፍቅሪ ቈላሕታ ክርስቶስ ንዘይረኽቡ ምስክርነትና ካብ ሓሊፍና እንገብሮ የብልናን።

ይቅጽል ….








All the contents on this site are copyrighted ©.