2010-03-16 19:49:25

አብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኮንጎ ዘሎ ጸገማት ብዓይኒ ብፁዕ አቡነ ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ


ኣብ ሰሜን ምብራቅ ዲሞክራውያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብLRA ዝፍለጥ ናይ ጎይታ ተቋዋሚ ሠራዊት ምሊእ ዓድታት ይዓኑን ይውረርን ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም የመልክቱ። ብጸብጻብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም መሠረት ካብ ወርሒ መስከረም 2008 ክሳብ ወርሒ ሰነ 2009 ልዕሊ 1200 ሰላማውያን ሰባት ሕይወቶም ስኢኖም። ሽሕ እኳ 17 ሺሕ ዝኾነ ሠራዊት ሕቡራት መንግሥታት ኣባኡ እንተለው እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ናይ ኡጋንዳ ተቃዋሚ ሠራዊት ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት ሕይወትን ንብረትን ክቆጻጸሮ አይከአለን ዝገደደ ከአ ዓለም ብዓለማ ምንም አቃልቦ አይገበረትሉን፣ ብሓጺሩ ተረሲዑ ዘሎ ዕንወት ክብሉ ናይ ቦኩንጉ ኢከላ ጳጳስን ናይ ኮንጎ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮሚሽን ኣቦ መንበርን ብፁዕ አቡነ ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ምረቶም ገሊጾም።

ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ብዛዕባ እዚ ዘስካሕክሕ ሃለዋት እዚ ዚዛረብ ወላ ሐደ የሎን፣ ህጹጽ ጉዳይ ክህሉ ከሎ ትራይ ይዛረቡ፣ ኮይኑ ግን ወላ እውን እቲ ኩነታት ቁሩብ እንተተመሐይሸ እቲ ጸገማት ገና አብ ቦታኡ እዩ ዘሎ፣ ኣብ ዱንጉ ዚበሃል ዓዲ ሃዲሞም ዝነበሩ ብሠራዊት ኡጋንዳን ኮንጎን እናተሓገዘ እቲ ሕዝቢ ሕጂ እዩ ዚምለስ ዘሎ፣ ኣብቲ መንበር ሰበኻይ ዘለዎ ዱማ ዚበሃል ዓዲ ግን እቲ ሕዝቢ ብተቃዋሚ ሠራዊት ጎይታ ወይ LRA ስለዝረዓደን ምንም ዓንየት ውሕስነት ስለዘይብሎምን ክምለሱ ፍቃደኛታት አይኮኑን። ቤተ ክርስትያን ኮንጎ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ደጋጊማ ተዛሪባ እያ ኩሎም ብዛዕባ ምብራቃዊ ኮንጎ ይዛረቡ ብዛዕባ ምብራቅ ብሕልፊ ዱንጉን ዱማን ወላ ሓደ አይዛረብን፣ ኣብዚ ሕዝቢ ይሳቀ አሎ ግዒዞም ስለዝነበሩ አይሓረሱ አይሓፈሱ፣ ከመይ ቢሎም ክነብሩ እዮም፣ እንፈርሆ ጥሜትን ሕማምን ከይግድኦም ንሰግእ እንክብሉ ጥርዓኖም አቅሪቦም።







All the contents on this site are copyrighted ©.