2010-03-16 19:52:02

ናይ ምስልምና ምሁር ካብ ህንዲ ኣብ ግብፂ አንጻር ክርስትያን ንዝተገብረ ዓመጽ ይዅንን


አሽጋር ዓሊ ኢንጂነር ዝተባህለ ህንዳዊ ምሁር ምስልምና “ብስም ምስልምና ዓመጽ ዝፍጽሙ አስላም ሐንሳብ ደው ቢሎም እዚ ዝገብርዎ የውድቆም ከምዘሎ ከስተብህሉ አለዎም ናብቲ ቅዱስ ቍርዓን ዘስተምህሮ መሠረታዊ ትምህርቲ ክምለሱ አለዎም” እንክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ አብ ካይሮ ምስ ክርስትያን ናይ ዝተገብረ ዕግርግር ፈጸምቲ ከምዝነቀፈ ምስ ኤሽያ ኒውስ ዝተባህለ አገልግሎት ዜና አብ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ተመልኪቱ።

አሽጋር አብቲ ዝገበረዎ ቃለ ምልልስ ብሕልፊ ጽልእን ቅርሕንትን ብምንዛሕ ፍልልይ ንዝፈጥሩ ኢማማት ከኒኑ። ዝሓለፈ 12 መጋቢት 2010 ዓ.ም. ፈ ኣብ መርሳ ማትሩሕ ዝተባህለ ናይ ግብፂ ቦታ ንጸሎት ተአኪቦም ንዝነበሩ ክርስትያን ሠለስተ ሺሕ ዝኾነ አኽረርቲ ምስልምና ብመሸንጎጋ ምስ ጨፍጨፍዎም እዩ። እዚ ኩሉ ዝኾነ ኸአ ክርስትያን ግብፂ ቤተ ክርስትያን ይሃንጹ አለው ዚብል ናይ ሓሶት ዜና ምስ ተዘርገሐ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ሕንፃ መሕደር አጋይሽ ምዃኑ ደሓር ተፈሊጡ። ኣብዚ ግጭት እዚ 25 ሰባት ቈሲሎም፣ ፖሊስ ከአ ካብ ክልቲኡ ወገን ሰላሳ አሲሩ።

አሽጋር ሐቀኛ ትርጉም ነቢይ መሐመድ እንኪገልጽ አብ ምስልማና ትርጉም ነቢይ መሐመድ ሙሕሲን ኢንሳኒያት ማለት ገባሬ ሠናያት ደቂ ሰብ እንኪኸውን ነዚ ትርጉም ዝርድኡ ውሑዳት ኢዮም፣ ብዙሓት ምእመናን ንሕይወት ነቢይ መሐመድ አይነብርዎን እዮም፣ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት አይሕልውን ፍትሒ አየዘውትሩን ንሕይወት ዝለዓለ ግምት አይህቡን” እንክብል ምረቱ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.