2010-03-16 19:58:33

ሰንበት ዘገብር ኄር 2010 ( መጋቢት 5 2002 ዓ.ም.)


“ንዝተዋህበና ህያባት አምላክ አፍሪና ምኽአል”።

መዝሙር፡ “መንእዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።

ንባባት፡ 2ጢሞ. 2፡1~16፥ 1ጴጥ. 5፡1~12፥ ግ.ሓ. 1፡6~9፥ ማቴ. 25፡14~31

ስብከት፡ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”።

ትሕዝቶ ንባባትና አብቲ ነውሕ ጊዜ ንምጽአት ጎይታ ዝጽበ ሰብ ክገብሮ ዝግብኦ ነገራት ዘተኮረ እዩ። እዛ ምሳሌ ንባዕላ ንትምህርቲ እኽልቲ እያ። አብ ናይ ሎሚ ውንጌል እቲ ሃብታም ሰብ ንግዙአቱ ከለቅሕ እንከሎ አብኦም ምሉእ እምነት ገሩ የለቅሖም። ነንፍስወከፎም ክኸስቡ ኢሉ ከከም ዓቕሞም ገንዘብ ይህቦም። ሓደ መክሊት ሽድሽተ ሺሕ ዲናር እዩ ሓደ ዲናር ናይ ዕለት ደሞዝ እዩ እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ እውን ዝአክል ገንዘብ ተቐቢሉ እዩ። እቲ ጎይታ ንሓደ እኳ ዝያዳ ምድንጋጽ አይርእን እንታይድአ ንነፍስወከፎም በብናቶም ብዘልኦም ክእለት ከም ዓቕሞም ከፍርዩ ሂብዎም። ኩሉ ሂቡ ምስወድአ ንመገሻ ነቐሉ።

ካብ መገሽኡ ምስ ተመልሰ ምስ ግዙአቱ ጸብጻብ ክገብር ይሓቶም። እቶም ክልተ ምስ ቀረቡ ነቲ ዝሃቦም ብዕጽፊ አፍርዮም ጸነሖሞ። እቲ ሳልሳይ ግና ሓንቲ ከይገበረ ጸኒሑ ዘቕረቦ ምኽንያት ከአ እቲ ጎይታ ጨካን ሕሱም ምዃኑ ስለ ዝፈልጥኩ ገንዘብካ ሓቢኤ ጸኒሔ እናበለ ምኽንያት ዘይምፍራዩ ከይተረፈ ብሰንኪ እቲ ጎይታ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ጎይታ ነቲ አገልጋሊ በቲ ዝገበሮ አብ ደገ አብ ቦታ ሽግር ክእትዉዎ ይእዝዝ። እዚ ሳልሳይ አገልጋሊ ሃካይ ዘይእሙን፥ ዘይረብሕ ይብሎ ነታ ዘላቶ ከሕድግዎ ይእዝዝ።

አብዚ ምሳሌ ትርጉም ናይ ምስንዳው ንምጽአት ጎይታ ይነግረና። ኮፍ ኢልካ ንዝመጽእ እትጽበዮ አይኮነን ወይ ከይጋገ ኢልካ ሱቕ ኢልካ እትጽበዮ አይኮነን። እንታይድአ ሓደ ናይ እቲ ሓደ ጽቡቕ ክገብር መራሒ ኮይኑ ዝዓዮ ጉዳይ እዩ። ናይ ትጽቢት ጊዜ ናይ ብሩህ ዕድል ጊዜ፥ ብትግሃድ እትተሕባበረሉ፥ ብዝይዳ እናአፍረኻ እትዓየሉ ጊዜ እዩ።

እዚ ምሳሌ ብዛዕባ እግዚአብሔር ይዛረበና። አብዚ ዛንታ ብምሳሌ ገሩ ብዛዕባ ንነፍስወከፍና አምላኽ ዝሃበና ህያባት ይዛረብ። ኩልና ነናትና ውህበት አሎና። አብዚ ክንሓስቦ ዘሎና ሰባት እንታይ ህያብ ከምእተዋህቡ አይኮነነ እንታይ ድአ ከምይ ገሮም አብ መንግስቲ አምላኽ ከምዘገልገሉ ዘፍረዩ እዩ። አብዚ ምሳሌ ንእግዚአብሔር ከም ሓደ ዝጣላዕ የቕርቦ። ንሱ ንህያባቱ ሱቕ ኢሉ ይህበና፥ አባና ምሉእ እምነት ገሩ ክምለሶን ከይምለሶን አባና ሓዲጉ ህያባቱ ይህበና። ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እንተ አፍረና ድላይናን ድላዩን ይዕወት አይኮነ ኽአ ይኸስር።

አብዚ ምሳሌ ካልእ ብዛዕባ አምላኽ ይነግረና። እቶም ክልተ ጊላዎት ብዛዕባ ጎይትኦም ፍሉይ ርድኢት ካብቲ ሳልሳይ ነርዎም። ክልቲኦም ጎይትኦም ገንዘቡ ክህቦም እንከሎ ንርእሱን ንአኦምን ዝጠቅም ምዃኑ ይፈልጡ ነሮም። ከምቲ ንሱ ዝጽበዮም ክኸዱ አብኦም እምነት ገሩ ከምዝኸደ ይፈልጡ ነሮም። እቲ ሳልሳይ ግነ ካብዚ ሓንቲ አይሓሰበን ማለት ጎይትኡ ሕያዋይ ምዃኑ ንኹሉ አብ ግምት አእትዩ ከምዝፈርድ አይገመተን። ፍርሒ ስለ ዘእተወ ከፍሪ አይከአለን። አብ ክንዲ ብዝተዋህቦ ዝሕጎስን ዘፍርን አብ ጉድጓድ ቀቢርዎ ነቲ ዝተዋህቦ። ዕድሉ ስለ ዘየርአየ ሓቢእዋ ስለዚ አየፍረየን። እቲ ንሱ ዘቕረቦ ምኽንያት ትርጉም አልኦ። አብ ናይ ጎይትኡ ጠባይን ብህርን የተኩር አብናቱ ሕመቕ ወይ ድኽመት አይምልከትን። ነቲ ጸገም ካብ ርእሱ የውጽኦ እሞ አብ ጎይትኡ ይጥቅኖ። ንጎይትኡ ከም ዓጋቢ ክፉእ ይውንጅሎ። አብ ክንዲ ናቱ ሕመቕ አብ ምቕባር ዘብጽሖ ዝርኢ ንጎይትኡ የዋርድ። አብ መወዳእታ ንርእሱ ብምቕባር ይውድእ። እንቐብሮ ኩሉ ዝሞተ ጥራሕ እዩ፥ ስለዚ ሓደ ሰብ ንአምላኽ ዝሃቦ ህያብ እንተ ዘይተጥቕመሉ ባዕሉ ይቐብር ንርእሱ።

ዝድለ ዘሎ ኮፍ ኢልና ብትዕግስቲ ክንጽበ አይኮነን። ንመንግስቲ አምላኽ እና ተጽበና ከሎና አፍረይቲ ክንከውን፥ ኩልና ክነፍሪ ምእንቲ ህያብ ተዋሂብና አሎና፥ ህያብ ካብ አምላኽ፥ ነዚ ተዋሂብናዮ ዘሎና ህያብ ካብታ ጎይታ ንሰማይ ዝዓረገላ ዕለት ክሳብ ዳግማይ ምጽአቱ ዘሎ ጊዜ ንኹሉ ዝተዋህበና ኩሉ ከም ዓቕምና ከምዝፈሪ ክንገብር፥ አብዝን አብቲን እናበልና ክነፍሪ ክንሰርሕ ይግባእ። ዘሎና ህያብ ወይ ብዝሒ ምክሊትና ሓንቲ ለውጢ አየምጽእን እዩ። ንአና ከም እሙናት አገልገልቲ ከም ህያብ ካብ አምላኽ ተዋሂቡና እዩ።

ከይተወላወልካ ውሳኔ ምውሳድ የድሊ። እምነት አብ መንግስቲ አምላኽ ክብሃል እንከሎ ብድላይካ ቆራጽ ውሳኔ ብዘይ ስግአት ከትወስድ ከሎኻ እዩ። ምጽአት ጎይታ አይንፈልጦን ኢና ስለዚ አብ ትጽቢት ስለ ዝኾና ኩሉ መደባትና ግዝያዊ እዩ። ኩሉ ተግባርና ውጽኢታዊ እዩ ክንብል ርግጸኛታት አይኮናን። ኩሉ እንገብሮ አብ ቅድሚት ዝአመተ ኮይኑ አብ ኢድ አምላኽ አምቢርና ንፍርያም ውጽኢት ክንርኢ ይግባእ። መደባት ክንገብር እሞ አብ ተግባር ክነውዕሎም አሎና። ጊዜና፥ክእለትና፥ርእስና አብዚ ሕይወት፥ ንኹሎም ጊዛውያንን ነባራትን ነገራት ክነጥፍአሎም ይግባእ።

ከይጋገ ኢልካ ውሳኔ ዘይምውሳድ ዘይምእማን እዩ። እዚ አብ ጉዕዞ ሕይወት ርግጸኛ ዝኾነ ነገራት ጥራሕ ምግባር፥ ንሕይወት አብዚ ዓለም ምቁጽጻር እዩ። ከይትጋገ ምፍራሕ ማለት ንኸይትጋገ አብ መጻኢ መረጋገጺ ምውሳድ ማለት እዩ። አብ መወዳእታ ዓለም ከይጋገ ስለ ዝፈራሕኩ ሓንቲ አይገበርኩን እናበላ ምኽንያት ክንገብር አይክአልን እዩ።

ነቲ አምላኽ ዝሃበና ህያባት ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገርና እንተ አፍረና አብ መወዳእታ ክንሕጎስ ኢና። ነቲ ዝተወሃብናዮ ህያብ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እንተዘይ አፍረና ወይ ነቲ ክነፍርዮ ዝግብአና እንተዘይ አስተውዓልና አብ መወዳእታ ዓለም ክንፍረድ ኢና። ነቲ ዝወርደና ስቓይ ንአምላኽ ክንሓሚ አይንኽእልን ኢና ናይ ኩሉ ዝጓነፈና ስቓይ ተሓተቲ ባዕልና ኢና።

ጉዕዞ ጾምና ትርጉምን ፍረን ዝህልዎ ንዝተዋህበና ጸጋ አምላኽ 30፥60፥100፥ክንፍሪ ከሎና እዩ። ክነፍሪ እንተኾነ ነቲ ከይነፍሪ ዝዓግተና ዘሎ ክንአልዮ ሎሚ እዋኑ እዩ። ግራት ከፍሪ ድዅዒ፥ ምክንኻን ንገብረሉ፥ ሕይወትና ከፍሪ ካብ ሓጢአት ነጺሕና መንገዲ አምላኽ ክንሕዝ ከሎና ጥራሕ እዩ። አብ ልብና ተመሊስና መጀመርያ ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ነለልዮ ድሕሪኡ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርና አብ ፍረ ነብጽሓዮ።

ጉዕዞና ሓገዝ የድልዮ። ካብ ጥንቲ ሓጋዚትና ንዝኾነት አደ አምላኽ ጉዕዞና ወድኺ ዝደልዮ ክኸውን ጠበቓና ኹኒ ንበላ። ከምቲ አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ዝተጣበቕክልና ሎሚ ንአይ ንአና ተጣበቕልና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ሁር ካብ ህንዲ ኣብ ግብፂ አንጻር ክርስትያን ንዝተገብረ ዓመጽ ይዅንን







All the contents on this site are copyrighted ©.