2010-03-13 12:55:33

መደብ ምቅርራባት ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት


ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳታ ሲኖዶስ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. “ካቶሊክ RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ውህደትን ምስክርነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ክካይድ ምዃኑ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ነዚ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝተፈላለዩ መደብ ምስንዳዋት ይካየድ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ መጋቢት ቀዳማይ ሰሙን፣ ኣብ ኣማን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ላቲን ሥርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣኼባ ከምዘካይዱን፣ ብምቕጻል ኣብ ከተማ ጋሊለያ ካብ ዕለት 8 መጋቢት ክሳብ ዕለት 10 መጋቢት 2010 ዓ.ም.ፈ. ናይ ቅድስቲ መሬት ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ወልትን ኣሕሉቕ ገዳማትን ብናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ጥዋል ተመሪሑ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ሓለቓ ኣባ ዶኣን ንጉየን ኣብ ቅድስቲ መሬት ንውህደትን ምስክርነትን ዝፈታተኑ ጉዳያት ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሓንስ ዝግለጽ ተመኵሮ ቀዳሞት ኣቢያተ ክርስትያን ኣመርኵይዞም ብዘቕርበዎ ኣስተምህሮን ኣስተንትኖን ከምእተጀመረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ቀጺሉ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ግብረ ሰናይን ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ተልእኾን ኣብ ማኣከላይ ምብርቕን፣ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተ ከዘካየደን፣ ተጋብእያን ብቐዳምነት ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጥዋል ክታም ዘንበርሉ፣ ናይ ዮርዳኖስን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ንናይ ዒራቕ ማኅበረ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ሰላምን ምርግጋእን ቅሳነትን ከምዝጽልያ ዘረጋገጽ፣ ንመላእ ዒራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ብናይ ዒራቕ ፓትሪያርክ ብፁዕ ካዲናል ኤማኑኤል ሳልሳይ ደሊይ ሽም ምልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ከሕበር እንከሎ፣ እቲ ኣኼባ ብዝዓረገ ናይ ሓባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምእተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.