2010-03-11 13:42:19

ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎግያ ዓውደ መጽናዕቲ


ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ብምኽንያት ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ክህነት “ናይ ካህን ተኣማንነት ነጸብራቕ ናይ ክርስቶስ ተኣማንነት” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽልተ መዓልቲ ዘዳለዎ RealAudioMP3 ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮልግያ ዓውደ መጽናዕቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ሎሚ ተጀሚሩ። እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዳብሊው ዳብሊው ዳብሊው ኣኑሳቸርዶታሊስ ነጥቢ ኦርግ ብዝብል ኣድራሻ ድረ ገጽ ብቐጥታ ንምክትታል ከምዝከኣል ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መገልጺ የረጋግጽ።

ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ክካዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኅሊናን ኣነባብራ መንነት ጸዋዕታ ክህነት ምሕዳስን ማዕርገ ክህነት ምቕባልን ተልእኮ ካህን ኣብ ዓለም እንታይ ምዃኑ ብዑምቀት ዘረድእ ናይ ካህን መለለዪ መንነትን ናይ ክህነት ስነ ታሪኽን ቲዮሎግያውን መንፈሳውን ስነ ተልእኾኣውን ስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ብዝብሉ ኣድማሳት ብምትንታን ቀንዲ ትርጉም ክህነት ዝድህስስ ኣገዳሲ ዓወደ መጽናዕቲ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣሕሉቕ ቤትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ንክህነት ዝዳለዉ ሰብ ጸዋዕታ ዝሓንጹ ዝዓደመን በቲ ካብ ቤተክርስትያን ዝተውሃቦም ሓላፍነት መሠረት ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ከመይ ገይሮም ክመርሑን ትርጉም ክህነት ከስርጹን፣ ብተወሳኺ ነቶም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ በቢ እዋኑ ቀጻልን ቀዋምን መደብ ሕንጸት ብምድላው ጸዋዕታን መለለዪ መንነት ክህነቶም ከትርሩን ክሕድሱን ንዝውጠን መደባት ሓሳብን መብራህርህን ዘቕርብ ኢዩ ኢሎም። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተዋጽኡ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ተጋባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.