2010-03-09 13:35:20

ግርጭት ሕድ ሕድ ኣብ ናይጀሪያ


ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ፕላቲው ብዝተኸስተ ግርጭት ሕድ ሕድ ልዕሊ 500 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞን እንክንገር፣ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምቁጽጻር ናይ ናይጀሪያ ኣባላት ኣኽበርቲ RealAudioMP3 ጸጥታ ተዋፊሮም ከምዘለዉን ድሮ ናይቲ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሞት ዝዳረገ ገበን ተሓተቲ ኢዮም ብዝብል ጥርጠራ 95 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሉ ተሓቢሩ። ኣብቲ ከባቢ ገለ ገለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ እቲ ግጭት ዘለዓዓሉን ኣብ ግዝኣት ፕላቲዉ ክፍሊ ከተማታት ዶጎ ናሃዋን ራትሳትን ዞትን ናይ ምስልምና ሃይምኖት ሰዓብቲ ፉላኒ ዝበሃሉ ዓሌት ዝፈጸመዎ ከምዝኾነ እንክሕብሩ፣ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ናይ ሕድ ሕድ ግርጭት ኣመልኪቶም ናይ ኣቡጃን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጅሆን ኦሎሩንፈሚ ኦናይየካን ምስ ራዲዮ ቫቲክካ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ግጭት ከምቲ ብተደጋጋም ኣብዚ ከባቢ ዝርኤ ኣብ መንጎ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝነቀሳቀሱ ብኤኮኖሚ ምርባሕ እንስሳ ዝመሓደሩን ሓረስቶትን ዝፍጠር ግጭት ከምዝኾነን ሓቢሮም፣ ስለዚህ ከምቲ ናይ ወጻኢ ናይ ዜና ማዕከናት ናይቲ ከባቢ ኩነት ከይተረድኡ ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዝተፈጥረ ግጭት ገይሮም ነቲ ዜና ከመሓላልፉ ምርኣይ ዘሕዝን ኢዩ። ስለዚህ ሃይማኖት መሠረት ዘለዎ ዘይኮነስ ማኅበራዊ ግብእን መሰልን ንምርግጋጽን ይግበኣኒ ኢዩ ካብ ዝብል ዘይምቅዳው ዝነቐለ ኢዩ። እዚ ዓይነት ግጭት ክውገድን ብድላይ ውልቀ ሰባት ሃይማኖታዊ መልክዕ እናለበሰ ከይከይድ ቤተ ክርስትያን ኣብ መግኖ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ናይ ዘተ ባህሊ ተተባብዕ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.