2010-03-09 13:37:22

ናይ አውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት


ኣብ ቱርኪ ከተማ ኢስታምቡል ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረትን ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ናይ ሓባር ኮሚቴ ኣብ ኤውሮጳ ጉዳይ ስደተይናታት ኣምኢኪሉ ዘተ RealAudioMP3 የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ናይ ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ስደተይና ንኤውሮጳ ኣድላዪ ኢዮ ዝብል ኣብ ስነ ኤኮኖምን ንብዝሒ ዘርኢ ሰብ ሚዛን ኣብ ዝብል ግላዊ ረብሓን ብዘተኮረ ኣተሓሳስባ ክምዘን የብሉን ቢሎም፣ ስደተይና ንናይ ክርስትና ባህልን ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ብድሆ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብሓፈሻኡ ጉዳይ ስደተይና ብፍትሕን ብፍቕርን ሕጋውነትን ክምራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ኣብቲ ኣኼባ ንዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ሓድሽ ሊቀ መንበር ኮይኖም ዝተሓርዩ ንፈለማ ኣብ ሓፈሻዊ ርክብ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ፈረንሳ ናይ ሓድነት ፓትሪያርክ ሜትሮፖሊታ ኤማኑኤል ሰላምታ ብምቕራብ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ሕይወት እግዚኣብሔር ምብጻሕ ናይ’ዚ ናይ ሓባር ድርገት ቀንዲ ተልእኾ ኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.