2010-03-09 13:33:53

ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ፦ ሚሥጢረ ንስሓ


ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ሓደስቲ መንእሰያት ካህናት ብዛዕባ ሚሥጢረ ንስሓ ብዑምቀት ንኽርድእዎ ዝሕግዝ ዘዳለዎ መደብ ሕንጸት RealAudioMP3 ከምእተጀመረ እንክሕበር፣ ኣብዚ መደብ ሕንጸት 700 መንእሰያት ካህናት ይሳተፉ ከምዘለዎ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ ይሕብር።

ነቲ መደብ ሕንጸት ብዘረባ ዝኸፈቱ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ኣበ ነፍስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፎርቱናቶ ባልደሊ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቲ መደብ ሕንጸት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርኤ ዘሎ ቅልውልው ሚሥጢረ ንስሓን፣ ዕርቅን ርድኢት ምሕረትን፣ ሚሥጢረ ንስሓ ምስ ሚስጢረ ተክሊክ ዘለዎ ርክብን፣ ሚስጢረ ተክሊል ምስ ዘፍረሱ ኣብ ፍትሕ ምስ ዝነብሩ ዘለዎ ርክብን፣ ነዞም ዝተፋትሑ ሰብ ቃል ኪዳን ኣባላት ማኅበረ ክርስትያን ኣናዛዚ ካህን ኣብ ሚሥጢረ ኑዛዜ ክህልዎ ዝግባእ ጠባይን ዘለዎ ኣረኣእያ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን፣ ርክብ ሚሥጢረ ንስሓን ሕገ ቀኖናን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ዘተኮረ ከምዝኾነ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ ይረጋገጽ።

ብዛዕባ ጉዳይ ሚሥጢረ ንስሓ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ጃፍራንኮ ጂሮቲ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ መደብ ሕንጸት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቤተ ክርስትያን ንሥርየትን ምሕረትን ብመገዲ ትምህርቲ እምነትን ትግባሬኡን እትኽተሎ መገዲ ብመሥራቲኣ ንዝተውሃባ ተልእኾ ተኣማኒት ኮይና ከምእትስዕቦን ሚሥጢረ ተክሊል ኣፍሪሶም ዝተፋትሑን ካብ ሚሥጢረ ተክሊል ወጻኢ ዝነብሩ ዳግማይ ዝተመርዓዉ ኣብ ሚሥጢረ ንስሓ ብኸመይ ክቐርቡ ከምዘለዎም ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዝብልዎ፣ ሓጥኣን በተን ርሕሩሓት ዓይኒ ኢየሱስ ምጥማት ኢዩ።

ሚሥጢረ ተክሊል ዘፍረሱ ኣባላት ማኅበረ ክርስትያን ንንስሓ ክቐርቡ እንከለዎ ቅድም ቀዳድም ካህን ናይ ሚሥጢረ ንስሓ ሠራዕን ኣመሓዳርን ኣገልጋልን እምንበር በዓል ቤት ወይ ድማ ገዛኢ ጎይታ ኣይኮነ፣ ስለዚህ ሥርየተ ሓጢኣት ክህበሉ ዘይከኣሎ ኑዛዜ ከጋጥሞ ኣንከሎ፣ እቲ ተናዛዚ ኣባል ማኅበረ ክርስትያንነቱ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዓቂቢ ክነብረሉ ዘኽእሎ መገዲ ክሕብሮን ዝተቐበሎ ጸጋ ክርስትና ከመይ ገይሩ ክነብሮ ከምዘለዎ፣ ኣብ ትምህርቲ እምነትን ሕገ ቀኖናን ዝተመርኮዘ መምዘኒታት ከቕርብ ክኽእል ኣለዎ። ቤተ ክርስትያን ካብቲ መሠረታዊ መምርሕታታ ተንከስ ዘይትብል እውን እንተኾነት ነቲ ተናዛዚ ኣይትጥንጥኖን ኢያ፣ ነዚኣቶም ዝግባእ ፍሉይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዳልወሎም። እዚ ኣገባብን ሥርዓት ኖልዎ ኣብ ኵለን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ክህሉ ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.