2010-03-06 14:00:47

ካህን ጸጋ ናይ ኵሉን ንዅሉን


ናይ ካኅናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማውሮ ፒያቸንዛ ብምኽንያታ ዓመተ ክህነት፣ ካህን ጸጋ ናይ ኵሉን ንዅሉን ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ናብ መላእ RealAudioMP3 ዓለም ካህናት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እንክንገር፣ ብጹዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ክብሪ ካህን ካብ ደቂ ሰባት ዝመጽእ ወይ ድማ ዝወሃብ ዘይኮነስ ሕያብ ማለት ጸጋ ኢዩ፣ እዚ ክቡር ዋጋ ክህነት ካብ’ቲ ልዑሊ ኵሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝተውሃበ ኢዩ። እዚ ክቡር ዋጋ ኣብ ናይ ካህን ሕይወት ክኹላዕን ክረኣይን ኣለዎ። ማለት ብቕድስና ሕይወትን ብተቐባልነትን ብምእንጋድን ምሉእ ሰብኣውነትን ትሕትናን ብናይ ፍቕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብ ወንጌልን ትምህርቲ ቤተ ክስትያን ብምእማን ካብ ዝርከብ ብርኃንን ብዕቱብነት ህድኣትን ተመሪሑ ኣብ ዘቕርቦ መለኮታዊ ሚሥጢራት ክገልጾን ክነብሮ ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡ ተረጋጊጹ።

ሰብ ሚሥጢረ ክህነት ብብቕዓቱ ዘይኮነስ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዝቕበሎ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ልዑልን ፍጹምን ኅላዌ ሥሉጥ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ካህን ብምምሃርን ቅዱሳት ሚስጢራት ብምሥራዕ ብሕልፊ ድማ ብሕይወቱ ብዝነብሮ ቅድስና ነቲ እግዝኣብሔር ዝሃቦ ሕዝቢ ዝመርሕ ኢዩ። ተኣማንነት እቲ እሙን ናይ እግዚኣብሔር ናጽነትን ናይቲ ናይ ዝተፈጥረ ሰብ ናጽነትን ርክብ ዝወልዶ ከምዝኾነን፣ ብኃይሊ ቅዱስ መንፈስ ሚሥጢረ ክህነት ብዝተመዓራረየ ሥነ ምግባር ተመሪሑ ንሕዝቢ ዝመርሕ ኢዩ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መገልጺ የረጋገጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.