2010-03-06 14:03:27

ኣብ ማእከላይ ብምራቕ ህላዌ ክርስትያን


ኣብ ግብጺ ኣሌክሳንድሪያ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮስ ናጉይብ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ምስ ዘካይዱ ናይ ሃገራት ሜዲትራኒያን RealAudioMP3 ብር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጽዋዕ ማእከል ኣባላት መጋባእያን መንእሰያትን ነዞም መንሰያት ዝመርሑ ኣባ ፍራንቸስኮ ፒየርፓውሎ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ብምራቕ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣብዚ ከባቢ ክፍሊ ዓለም፣ ንህላዌ ማኅበረ ክርስትያን ዘየተባብዕ ሓደገይና እውን እንተኾነ፣ ኣብዚ ክፍሊ ዓለም’ዚ ንማኅበረ ክርስትያን ወትሩ ግብእ ሥፍራ ርጉጽ ኢዩ ኢሎም።

ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንናይ ህላዌ ማኅበረ ክርስትያን ዘይተባብዕን ዝህውኽ ብዝረቐቐ መንፈስን ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ስነ ሓሳብ ሕብረት ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተፈላለየ ምክብባርን ምቅብባልን ዘተባብዕ ዘተን ፖሊቲካን ብምንቕቓሕ ክዋስኡ ይግባእ ከምዝብሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። ኣብቲ ርክብ ኣብ ግብጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ፊትዝገራልድ ኣማኻሪ ኣባ ሳንቲያጎ ደቪ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ኣብ ጽንኩር ኩነታት እትርከብ ዘላ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ምትብባዕ የድሊ ቢሎም፣ ኣብ ግብጺ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝዕፍን ሥርዓት ፖሊቲካ እውን እንተዘየለ፣ ኣድልዎ ዘተባብዕ ኩነት ብውልቀ ሰባት ዝነቓቓሕ ከይዲ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዓይነት ጸረ ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ክውገድ ናይ ዘተ መድረኻት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምትብባዕ ግድን ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.