2010-03-06 14:01:57

ንጽሕና ጸዋዕታ ኩሉ ኢዩ


ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ኣማቶ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል “ህልው ኵነትን ርድኢትን ንጽሕና” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ RealAudioMP3 ኣብ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ንጽሕና ብብዙሓት ዳርጋ ብዅሉ ክበሃል ይከኣል፣ ግቡዕ ርድኢት ዘይረኸበ ክቡር ዋጋ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ይትረፍ ዶ ዓለማውያን ዓለማውያን ምእመናን እውን ዝንጸባርቕዎ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።

ንጽሕናን ድንግልናን ቲዮሎግያዊ ትርጉም ዘለዎን፣ ድንግልና ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ዘማእከለ ብፍላይ ድማ ድንግልና ኣብ ጸዋዕታ ክህነትን ናይ መናንያን ሕይወትን ዝንበርን ግቡእነቱን መርትዖኡን ኣብ ሕይወት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቖመ ከምዝኾነን፣ ጸዋዕታ ክህነት ኣብ ክርስቶስ ምምሳል ዝግለጽ ጸጋ ኢዩ፣ ንሓደ ካህን ሚስጢረ ተክሊል ዘይምንባር ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ምንባር ኢዩ ኢሎም። ስለዚህ ክህነት ኣብ ዕዮ እግዚኣብሔር ምሉእ ብምሉእ ብዘይተኸፋፈለ ሕይወት ምውሳእን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጉዳይ እግዚኣብሔርን ሰብን ኵሉ ሓይሉን ድልየቱን ኣጣሚሩ ቅሩብን ድልውን ምዃን ማለት ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.