2010-03-04 14:05:44

ጽንሲ ምንጻል፣ ድምጺ ዘይብሉ መስዋዕቲ

 


ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ዝግመት ተግባር ምንጻል ጽንሲ ከምዝፍጸም፣ ኣብዛ ክፍሊ ዓለም ካብቶም ንሞት ካብ ዝድርኹ ጠንቅታት ብቀዳማይ ደረጃ ዝፍለጥ፣ RealAudioMP3 ጽንሲ ምንጻል ኣብ ኤውሮጳ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ስፐይን ናይ ስድራ ቤት ፖሊቲካ ዝከታተል ተቛም ኣብ ብራሰልስ ብዕሊ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ዓመት 2, 863, 649 ጽንሲ ከምዝንጸል እቲ ጸብጻብ ናይቲ ተቛም ብምምልካት፣ ዝተጸንሱ እንተትውለዱ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ወሪዱ ዘሎ ዋሕዲ ሕዝቢ ኣይምሃለወን፣ ኣብ ኣየርላንድን ማልታን ጽንሲ ምንጻል ብሕጊ ዝተኸልከለ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብተን ብጽንሲ ምንጻል ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሮማኒያን ኢጣሊያ ኣዚየን ዝፍለጣ ሃገራት ከምዝኾናን፣ ኣብ ስፐይን እዚ ጸረ ሕይወት ተግባር ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ ጽንሲ ምንጻል ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብ115 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ኣብ ኤወሮጳ ካብ ሓሙሽተ ጽንሲ ሓደ ንምንጻል ሓደጋ ከምዝቃላዕን ናይዚ ጸረ ሕይወት ባህሊ ምስፍሕፋሕ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብዛ ክፍሊ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላዊ ክቡር ዋጋ ሕይወት ምዃኑ ነቲ ናይ ስፐይን ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዝሓሊ ተቛም ፖለቲካ ዘቕረቦ ጸብጻብ መሠረት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ምንቅስቃስ ሓልዮ ሕይወት ሊቀ መንበር ካርሎ ካሲኒ ኣመልኪቶም፣ ብሽም ክንክን ጥዕና ብፍላያ ድማ ናይታ ዝጸነሰት ኣደ ጥዕና ንምድሓን ብናይ ፍትወት ዓመጽ ዝተጸንሰን ከምኡ ድማ እቲ ጽንሲ ስንኵል ቅርጸ እንተድኣ ኮይኑ፣ ጽንሲ ምንጻል ፍቑድ ኢዩ ዝብል ኣብ ስፐይንን ፖላንድን ዘሎ ሕጊ ኣብዘን ሃገራት ጽንሲ ምንጻል ልሙድ ይገብሮ ከምዘሎን፣ ኣብ ፍረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ብጠቕላላ ኣብ መላእ ኤውሮጳ እዚ ጸረ ሕይወት ባህሊ ክብ እናበለ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ዝብል ክቡር ዋጋ እናተረስዔን ካብ ሕሊና እናተሓከን ይኼይድ ኣሎ፣ ቀንዲ ምኽንያት ጽንሲ ምንጻል ብምልላይ፣ እቲ ጸረ ሕይወት ባህሊ ምውጋድ ቀንዲ ዕላማ ክኸውን ኣለዎ። ስድራ ቤት ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓሊ ፖለቲካ፣ ብዙሓት ኣባላት ዘለዋ ስድራ ቤት ብዅሉ መዳይ ምድጋፍ ዘተባብዕ ናይ ፖለቲካ ድላይ ምትብባዕን ምርግጋጽን ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.