2010-03-04 14:09:14

ኣፍሪቃ፣ ዕለት ክንክን ጥዕና ከባቢ


ኣብ መልእ ኣፍሪቃ ብኅብረት ኣፍሪቃ ውሳኔ መሠረት ካብ 2002 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ በቢ ዓመቱ ብዝተፈላለዩ መደብ መነቓሒ ክንክን ጥዕና ከባብን ተፈጥሮን ተሰንዩ ከምዝብዕል እንክንገር፣ RealAudioMP3 ለብዘበን በዚ መበል ሻብዓይ ዓመት፣ ኣፍሪቃ፦ ክንክን ከባቢኣን ኅብረ ዘርኢ ስነ ፍጥረትን ስነ ሕይወትን ዕቃቤ ባህልታታን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ከምዝተዘከረን ይንገር። እዚ ናይ ለብዘበን በዓል ኣብ ታንዛኒያ ሰሜናዊ ክሊ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሩሻ ከምእተኻየደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዋና ቤት ጽሕፈት ኅብረት ኣፍሪቃ ዝተዘርግሔ ዜና ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ናይ ኣፍሪቃ መደብ ክንክን ናይ ከባቢ ጥዕና፣ ብዝተፈላለዩ ናይ ባህልን ስነ ጥበብ መደባት ዝተሰነየን ብፍላይ ድማ ንኽንክን ጥዕና ዘነቓቕሑን ምኽባር ከባብን ተፈጥሮን ዘተባብዑ ዝተፈለዩ መግለጽታትን ብዓውደ መጽናዕታትን ዝተሰየ ከምዝነበረን ሚስና ሓቢሩ። እዚ ዕለት ክንክን ከባቢ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ልምዓትን ክንክን ጥዕና ከባቢ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከምዝኾነ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.