2010-03-03 10:59:15

ሰንበት ዘመፃጕዕ 2010 ዓ.ም. ( 21 የካቲት 2002 ዓ.ም.)


መዝሙር፡ አምላኵሰ ለአዳም . . . . ። ንባባት፡ገላ. 5፡1~ፍ፥ ያዕ. 5፡14~ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡1~12፥ ዮሓ. 5፡1~25

መዝሙር ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥ “ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንም ከአ ብግብረይ እመኑ አነ ጎይታ ሰንበት እየ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟”።

ነጸነት ክሰብክ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም አቦይ ልኢኹኒ ዝብላ ቃልት ክርስቶስ ንመንነቱን ተልእኮኡን የገልጻልና። ነጻነት መንፈስ ከልብሰና፥ ካብ ባርነት ሓጢአት ነጻ ከወጽአና ተላኢኹ። ብሓጢአት ንዝዓወረ ሕይወትና ከምዝርኢ ክገብር አብ መንጎና ሓደረ። ሎሚ እምብአር ደቂ ነጻነት ኮና አብ ክርስቶስ መድሓኒና ክንምለስ እሞ ብወገና ንኸማኑ ዝበሉ ሰባት አብ ብርሃን ክርስቶስ ክአትዉ ክንመርሕ ክንሕብር ግደና እዩ። ዕዉር ዝመርሖ ይደሊ አይኮነ አብ ዝገደደ ህጉም ይአቱ መንፈሳዊ ዑረት አብ ምጭኽኻን ምጥላም አብ ኩሉ ክፍአት ዝንባሌ ዘበለ ይመርሓና ነዚ ከምዚ ዝበለ ዑረት ክንቅንጥቶ አብቲ ምንጪ ሕይወትን ብርሃንን ዝኾነ ክንመለስ ናይ ሎሚ ሰንበት ቃል አምላኽ ይሕብረና።

አይሁድ ንኢየሱስ ክርድእዎ ጸጊምዎም ምኽንያቱ አብኡን አዲኡን እንፈልጦም ወዲ ዓድና ዘይኮነን ከመይ ገሩ ወዲ አምላኽ እየ ይብልና ነዚ ኹሉ ፍልጠትከ ካበይ አምጺእዎ እናበሉ መን ምዃኑ ክፈልጡ አጸጊምዎም ንሱ ግን አነ አቦ ሰንበት ጎይታ ኩሉ ፍጥረት አቦ ምሕረት፥ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ነጻነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ዝተጸዋዕኩ አቦይ ዝልአኸኒ እየ እናበለ መን ከም ዝልአኾን እንታይ ከምዝኾነ ተልእኮኡን ንሱ መን ምዃኑን ገሊጽሎም። ንሱ ኩሉ ብንጹር ነጊርዎም ግን ክአምኑ አዒንቶም ተደፊኑ፥ ንኹሉ ዝገበሮ ክርእዩ አይከአሉን። ነቲ ዕዉራት ዘሕወየ፥ ሙታን ዘተንስኤ ክአምኑ አጸጊምዎም። ሰብ አንቂዱ ልቡ ምስ ዓጸወ ክርኢ፥ ክአምን ቀሊል አይኮነነ፥ ነቲ ዝርእዮ ነቲ ዝሰምዖ ዘሎ ነጺጉ ካልእ መንገዲ ይመርጽ፥ አምላኽ ግን ብመገዱ ገሩ ይጽውዖን ምልክት ይህቦን። አብዚ እዋን ዝውሃበና ምልክት አብ መአዲ ጾም አቲና ንአምላኽ ክንረኽቦ ናትና ክንብሎ እምነትና ክንገልጽ እሞ ምስኡ ሓደ ክንከውን ዝሕብር ምልክት እዩ።

ሰንበትና ዘመፃፉዕ ይብሃል ነቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ናይ ምሕረት ስራሕ ንምግላጽ። አብ ርድኢት አይሁድ ሓደ ካብቲ ከቢድ ሕማም ገሮም ዝሓስብዎ ዝነበሩ ሕማም መፃጉዕ እዩ። ነዚ ሕማም ዝሓመመ ሰብ ካብ ሕብረተሰብ ተፈልዩ አብ በዓቲ ወይ አብ ግሉል ቦታ ይቕመጥ፥ ሰብ ክርኢ ከሎ ይሃድም ብሓቂ ብኹሉ ዘሳቒ ሕማም እዩ ነሩ። ኢየሱስ ብዙሓት ንኸምዚ ዝሓመሙ ሰባት አሕውዩ ንገሊኦም ብምትንካፍ ንገሊኦም አብ ማጨሎት ተሓጸቡ ብምባል ንገለ ክአ ኪዲ ተሓዲግልካ እናበለ ምሕሪዎም ምስ ሕብረተሰብ ሓዊስዎም አብ መጨረሽታ ኪድ ንካህን ተረአ ይብሎም ነበረ ምኽንያት ብሕጊ ብሉይ ኪዳን ንሓደ ካብ ከምዚ ዝሐመመ ሰብ ከምዝሓወየ ዘምስክረሉ ካህን እዩ ስለዚ ምስክርነት ክወስዱ ናብ ካህናት ይልእኮም ነሩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር። ነፍስወከፍና ነናትና መንፈሳዊ ሕማም አሎና። ክንሓዊ ንደሊዶ፥ እንታዩኸ ሕማምና ንፈልጦዶ፥ ካብ ምአስከ ሓሚምና፥ እዝን ካልእን ሕቶታት ክንምልስ ግቡእ እዩ። ብዙሕ ጊዜ አካልዊ ሕማም እንታይ ምዃኑ ዝነግሩና ሓካይም እዮም ንመንፈሳዊ ሕማምና ዝነግረና ሕይወትና ሕልናና እዩ። ክንፈልጦ ብርቱዕ አይኮነነ አብ ወሽጥኻ አቲኻ ንነፍስኻ ምርአይ እዩ። ክትምሓር ቀሊል እዩ ብሓጢአትካ ተአሚንካ ምሕረት አምላኽ ምልማን እዩ። እዋን ጾም ምሕረት ክንረክብ ጠዑም እዋን እዩ። አብ አምላኽ ተመሊስካ እነኹ ብሓጢአተይ እእመን አሎኹ መሓረኒ ተዓረቐኒ ምባል ጥራሕ እዩ ዘድሊ። አብ ሕልናና አቲና ነቲ ብምሉእ ድለትና አንጻር አምላኽ ዝኸድናዮ ነንብብ እሞ ጊዜ ሂብናዮ ንጸጸት ምሓረኒ ኢልና ናብቲ አቦ ሕይወት ዝኾነ አምላኽና ገጽና ንጉዓዝ።

ኢንታይ ክገብረልካ ትደሊ እናበለ አቦ ምሕረት ዝኾነ አምላኽ ይሓተና አሎ ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ሕሙማት እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ዝብሎም ዝነበረ። ግን ቅድሚ ነዚ ምምላስና ሕማምና ክንፈልጥ አሎና። ክንሓዊ ሕማምና ክነለሊ የድሊ። ክትሓዊ ትደሊዶ ምስበለና ዘልዕለኒ ሰብ የብለይን ዝብል ምስምስ ክነቕርብ ዘይኮነ ልብና ከፊትና አብ ሕልናና ንእቶ ንፈትሽ ሽዑ ብዙሕ ግዕዘይ ክነርክብ ኢና ሽዑ ምሓሪኒ ክንብል ኢና ግን ቅድም ክንርኢ ክነለሊ አሎና። ነዚ ቅዱስ ጊዜ ክንርኢ ምእንቲ ንጠቐመሉ።

አብ ዮሓ 5 ጎ.ኢ.ክ. ነቲ ንነውሕ ዓመት ዝሓመመ ሰብ ክሕውዮ እንከሎ ከልተ ነገር ገሊጹ ። 1. ንነውሕ ዓመት ዝሓመመ ሰብ ካብ ሕማሙ አሕውይዎ። 2. መንፈሳዊ ምሕረት ከአ ሂብዎ ሓጢአትካ ተሓዲጉልካ ኢልዎ። አብዚ ነቲ ሰብአይን ንዓለምን ኢየሱስን ምሕረት አምላኽ ብአኡ ከምዝመጽእ ገሊጹ። መንፈሳውን አካላውን ምሕረት ብኢየሱስ ይውሃበና። ኩሎም እቶም ኢየሱስ ነዚ ሰብ ከሕውዮ እንከሎ ዝረአዩ ካብቲ ዝርእይዎ ዘለዉ ንላዕሊ ክርእዩ እዩ እቲ ዝድለ ዝነበረ። ኢየሱስ ምልአት ሕይወት ከምዝህብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም ዝህብ ክአምኑ።

ነቲ ዝሓወየ ሰብ ዝገደደ ከይረኽበካ ካልአይ ጊዜ አይትአብስ ኢልዎ። ብሓጢአት ምኽንያት አብ ዝተፈላለየ ሕማም ንአቱ። ናይ እዋና ርኡይ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ሓጢአትካ ከይትንሳሕ ዝርአ ምኽኒት። ጸጋ እምላኽ ከም ዝናም እዩ፥ አብ ከውሒ ዝወረደ ዝናም ብላዕሊ ጥራሕ እዩ ዝወቅዕ አብ መረት ዝወርድ ዝናም ግን አብ ውሽጢ አትዩ መሬት ከምእትፈሪ ይገብር። ንምሕረትን ጸጋ አምላኽን ዝተቐበለ ሰብ ከአ ልክዕ ከምኡ እዩ። ልብና ከውሒ ኮይኑ ንጸጋ አምላኽ ከይመልሶ ናታና ጽቡቕ ፍቓድ የድሊ። አብ ልብና ጸግኡ ሰንጢቑ ክአቱ ናትና ድለትን ጸዕርን የድሊ።

ኩሎም ናይ ሎሚ ንባባትና ብሓበራ ብዛዕባ ምሕረት አምላኽን ብዛዕባ ናይ ነፍስወከፍና ክንገብሮ ዝግብአና አብ ምቕባል ምሕረት ይሕብሩና። ቅዱስ ጳውሎስ ብክርስቶስ ሓራ ከምዝወጻእና አብ ባህሊ ስርዓት ከምኡ ካልእ ሰብ ዝፈጠሮ ካብ አምላኽ ዘርሕቕና ነገራት ተደሪትና ከይንተርፍ የጠንቅቐና። አብ አርዑት ባርነት ከይንአቱ ክንብርትዕ ይላበውና። አብ ሓቂ፥ አብ ጽድቂ ክንጎዪ ከምዘሎና ንኢየሱስ ክንስዕብ ከይንዝንግዕ ሓደራ ይብለና። ትምኒት ሥጋን መንፈስን ፈላሊና ክንፈልጥ ይግብአና ሰብ ብሃውሪ ዝኸይድ እንተኾነ ምስትውዓል ስለ ዝጎድሎ አብ ጸጋም ክነብር እንከሎ ዓይኑ ይድፈን ሎሚ እምብአር መገድና ፈሊጥና አብ የማን ክንምለስ ንአምላኽ ምሓረኒ ክንብሎ እሞ ብወገና ዝድለ ምስንዳው ክንገብር።

ያዕቆብ ካብ ሓጢአትና ክንምሓር ምስጢራት ቤተክርስትያን ብፍላይ ምስጢረ ኑዛዜን፥ (መጽሓፈ ቀንዲል) ቅብአት ሕሙማትን አብ ምሕረት አምላኽ ከምዝመልሱና ይነግረና። ልዕሊ ኹሉ አብ መንፈሳዊ ሕማም እንተ አሎና ነዞም ክልተ ምስጢራት ክንቅበል ከሎና ንሓዊ። አምላኽ መጋበሪ ምሕረት ክኾኑ ምስጢራት ንቤተክርስትያኑ ሂብዋ እዩ። ንስኹም ዝሓደግክምሎም ክሕደገሎም እዩ ዝበሎ ሎሚ እውን ብፍላይ አብ ጊዜ ጾም ክንናዘዝ ክንሳሕ ከሎና ምሉእ ስሬት ሓጢአትናን ምሕረትን ጸጋን ንቕበል። ጾምና ንስሓ ሓጢአትና ክለብስ እንከሎ ሓዲስ ሕይወትን ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ንፈጥር።

ክንሳሕ አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና አብ ቅድሜኻን አብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን በዲለ ክሳብ ዘይበልና ምሕረት ክወርድ ከቢድ እዩ። ንሕልናና እንታይ እግበር እናበልና አብ ውሽጥና አቲና እስከ ዘተ ንእቶ። እንታይ ክገብር ብፍላይ ንአይ ከም አነ መጠን ኢናበላን ንነፍስና ንሕተት። ምስነፍሱ ተዛሪቡ ዝኽእል ንአምላኽ ክረክብ አይጽግሞን እዩ። ጸገምና ምስ ነፍስና አይንዛረብን ኢና እንተ ተዛረብና ኸአ አብቲ ካብ አምላኽ ዘርሕቕ ነተኩር እዚ ክንስዕሮ ንአምላኽ ሕሹኽ ንበሎ። አብ ልበይ እቶ እሞ ናትካ ግበረኒ ንበሎ።

ንኹሉ ብዓይኒ ምሕረት ዝርኢ አምላኽ ምሕረቱ የውርደልና ንስሓ ሓጢአና ሂቡ ንዚ እንጉዓዞ ዘሎና ጉዕዞ ጾም አብቲ መፈጸምትኡ ዝኾነ ትንሣኤ መድሓኒና አብጺሑ ጸጋን በረኸትን ይውርድልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.