2010-03-02 13:45:11

ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ


ኣብ ጋና ናይ ኬፕ ኮስት ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያህ ቱርክሶን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ናይ ማእከላይ ኢጣሊያ RealAudioMP3 ናይ ቲዮሎግያ መንበረ ጥበብ ትንቢትን ትጽቢትን ብቕዓትን ብድሆታት ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዝዳሕሰሶምን ብፍቓድ መንበረ ጴጥሮስ ውሳኔ ዝሃበሎም ነጥብታትን ብሓፈሻኡ እቲ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ዝኾነ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ብዑምቀት ኣብ መላኣ ኣቢያተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ክጽናዕን ናይ ዝተፈላለዩ ዓወደ መጽንዕትታት ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ክስትንተንን ናብ ዓለማውያን ምእመናን ክበጽሕ ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ናይ ኣፍሪቃ ዕቁር ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ክኽበር ከምዘለዎ ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ፣ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝርኤ ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ኣፍሪቃን ኣብዚ መዳይ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃን ሕዝባን ዝፍጸም ዓመጽ ከምዝኾነነን፣ ዕቃቤ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮን ሰብን ክብሪ ዘማእከለን ንምዕባለ ኣፍሪቃን ሕዝባን ዝኣመተ ክኸውን ምግባር ነቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ኣፍሪቃ ንክዳኸም ዝገብር ናይ ፍትሕን ሰላምን መሳርሒ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም፣ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ሕማም ኤይድስ ንምድራት ኣስተዋጽኦ ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክጽናዕን ዓለማውያን ምእመናን ክርድእዎን ክፈልጥዎን ክትግብርዎን ይግባእ ቢሎም፣ መሰል ኣፍሪቃውያን ደቀ ንስትዮን ክኽበር ኣለዎ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.