2010-03-02 13:46:39

እምነት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ


እግዚኣብሔርን ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማን፣ እምነትን ፖለቲካን ኣብ መንግሥቲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝብል ብናይ ቫቲካን ራዲዮ ጋዘጠይና ኣሌሳንድሮ ጂሶቲ ዝተደርሰን ብጃንፍራንኮ ፋቢ RealAudioMP3 መእተዊ ዝተገብረሉ ብቤት ማኅተም ኤፋታ ዝተሓትመ መጽሓፍ ትማሊ ኣብ ጎዳና ኮንችሊያዚዮኔ ኣብ ዝርከብ መሽጣ ቤተ መጻሕፍቲ ኣቨ ብወግዒ ንንባብ ከምዝቐረበ ተገሊጹ።

እታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝቐረበትሉ መድረኽ ኣብ ጆን ካቦት መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ፖለቲካ መምህር ላውረንስ ግራይ፣ ስታምፓ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ሮማ ናይ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ጋዜጠይና ፓውሎ ማስትሮሊ ናይ ቪታ ኑዎቫ መጽሔት ዋና ኣመሓዳሪ ሚከለ ዛንዙኪ ዘረባ ከምዘስምዑ እንክንገር ነቲ ንንባብ ናይ ምቕራብ መደብ ዝመርሑ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ጋዘጠይና ፋቢዮ ኮላግራንደ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.