2010-03-02 13:41:06

ቅዱስ ኣቦና መሪሕ ናይ ጸሎት ሓሳብ


ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ቀጥዒ ብዘለዎ መገድን ናይ ፍትሕን ማዕርነትን መምዘኒ ዝኽተል ናይ ሕዝቢ ብሕልፊ ድማ ናይቶ ድኻታት ልዑል ኣድላይነት RealAudioMP3 ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ኣመለኻኽታ ክምራሕ ንምእመናንን ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።

ከምቲ ኣብታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ዝኾነ ይዅን ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ሰብን ሓቀይና ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኣብ ግምት ዘእቱው ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዝገለጽዎ መሪሕ ሓሳብ፣ ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ዝኾነ ይዅን ኤክኖሚ ምዕባለ ሓቀይና ሚዛን ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ኣረኣእያ መሠረት ገይሮም ናይ ፍትሕን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማሕበር ኣመሓዳሪ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ሪካርዶ ሞሮ ምስ ራዲዮ ቫቲና ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ከይዲ ኤኮኖሚ ምስ ፍትሕን ማዕርነትን ዝብሉ ክሌኣዊ መገድታት ዘለዎ ርክብ እንክትንትኑ፣ ርክብን ምትእስሳርን ሰብኣውነት ለበስ ክኸውን ኣለዎ፣ ማለት ዝኾነ ይኹን ርክብ ኣብ ፍትሒ ዝቖመ ክኸውን ከምዘለዎን፣ እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ድማ ምስ ኤኮኖሚ ማለት ኣብቲ ብዙሕን ዝተፈላለዩ ርክባት ዝፍጸመሉ ዕዳጋ ግቡእ ርክብ ዘለዎን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብ ጉዳይ ኤኮኖሚ እንፍጽሞም ርክባት ኣብ ዕዳጋን ከምኡ ድማ ብዋጋ ኣብ መንጎ ዓሚልን ኣቕራብን ዝፍጠሩ ርክባት ንሰብኣዊ ክብሪ ንምግልጋል ዝኣመተ ኽኸውን ኣለዎ ዝበልዎ፣ ንፍትሕን ማዕርነትን መሠረት ኢዩ። ከምዚ ክኸውን እንከሎ ጥራሕ ኢዩ ብሓቂ ኣብ ኣገልግሎት ሰብ ዝተኮረ ኤኮኖሚ ክረጋገጽ ዝኽእል።

ኣብ ዓለም ከምቲ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ዝሓቦ ጸብጻብ፣ ሓደ ሚሊያርድን 300 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ብሓደ ዶላር 3 ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ድማ ካብ ሕደ ዶላር ንታሕቲ ብዝግመት እቶት ዕለታዊ ናብራኡ ይመርሕ፣ እዚ ማለት ድማ እዚ ካብቲ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ፍርቂ ዝኾነ ሕዝቢ መነባብራኡ ከመሓይሽ ዘይክእል ኣብ ከቢድ መነባብሮ ይርከብ። ዝገደደ ካብ ሰሜን ክፍሊ ዓለም ብዝኣቱ ክቡር ዋጋ ብዘለዎ ምህርቲ ኤኮኖሚ ይመሓደር፣ እዚ ነቲ ዘለዎ ድኽነት ድርብ ይገብሮ፣ ምጣኔ ሃብቲ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም ምምሕያሽ ዘርኣየ እውን እንተኾነ በቲ ፈጺሙ ተዋሳኢ ዘይኮነሉ ዝተኸስተ ቅልውላው ኤኮኖሚ ዓለም ጠንቂ ንድሕሪት ከምዝተጎተን፣ ነቲ ትሑት ዝኾነ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ምህርቲ ናይ ምቕራብ ዓቕሙ እውን ኣዚዩ ከምዝሃሰዮን ተንቲኖም፣ ናይቲ ዝተኸስተ ቅልውላዊ ኤኮኖሚ ልዑል ዋጋ ዝኸፍል ክፍሊ ኅብረተሰብ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።

ናይ ምዕባለ ኣንቀሳቐስቲ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ከባቢ ኤውሮጳ ድማ ጀርመን ዝብል ኣገላልጻ ትኽክል ኣይኮነን፣ ናይ ቻይና ኤኮኖሚ ልዑል ምዕባለ የርእይ እንተሃለዎ እውን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝጥሕስን ናይ ሥራሕን ሠራሕተይናን መመሓደሪ ሕግታት ዘየኽብር ኢዩ። ስለዚህ እዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ቅልውላዊ ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ዓቢ ግደ ኣለዎ ምስ በሉ መፍትሒኡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ዝገለጽዎ ዕዳጋ ዓለም ብሥነ ምግባር ክምራሕ ምግባር ጥራሕ ኢዩ፣ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.