2010-03-02 13:42:28

ሃገራት ደቡባዊ ምስራቕ ኤውሮጳ


ኣብ ደቡባዊ ምስራቕ ኤውሮጳ ምልካዊ ሥርዓት ካብ ዝውገድ እነሆ ልዕሊ 20 ዓመት ኮይንዎን ሥርዓት ዴሞክራሲ ዝተኣታተወ እውን እንተኾነ፣ ሕጂ እውን ኣብ ምኽባር መሰልን ፍቓድን ናይ RealAudioMP3 ውሁዳን ሃይማኖታት ብዙሕ ክጻዓር ከምዘለዎ፣ ናይ ደቡባዊ ምስራቕ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሞልዳቫ ከተማ ቺሲናው ንሰለስተ መዓልቲ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ መገልጺ የመልክት።

እቲ ናይቲ ኣኼባ ሰነድ፣ ኣብተን ከባቢ ኤውሮጳ ኣብ ዘመን ምልካዊ ሥርዓት ዝተሃገሩ ብዙሕ ንብረት ቤተ ክርስትያን ሕጂ ኣውን ገና ተሃጊሩን ንዋንኡ ክምለስ ኣለዎ ዝብል ሕጊ ተጣሒሱ ኢዩ ዘሎ። ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ መዳይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ሰብኣውን ባህላዊን ሕንጸት ኣብ ረብሓ ሕዝብን ሃገርን እተበርክቶ ልዑል ኣስተዋጽኦ ትእምርቲ ተስፋ ከምዝኾነ እውን ዝእመን ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝተኻይደ ኣኼባ ናይ ኤውሮጳ ብፁዕን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ዱዋርተ ዳ ኩኛ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንከረድኡ፣ ኣብ ደቡባዊ ምስራቕ ኤውሮጳ ዝንበር ማኅበረ ክርስትያን ውሁድ እንተኾነ እውን ቤተ ክርስትያን ቀረባኡ ኮይና ዘድሊ ደገፍ ከምእተቕርበሉን ሓቢሮም፣ እዘን ናይቲ ከባቢ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ምልካውን ሥርዓት ዴስነትን ዝወጻ ብምዃነን እቲ ዘለወን ጸገም ዝመሳሰል ኢዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝነበረን ኣብ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ማኅበራውን መዳይ ዓቢ ጽልዋ ሓዲጉ ዝሓለፈ ምልካዊ ሥርዓት ብቐረባ ብዝተፈላለየ መዳይ ብምንባብ ንእተቕርቦ ኣገልግሎት ቅርጺ ብምትሓዝ ናይ ተስፋ ምልክት ኮይና ትርከብ። ብዓይኒ መንግሥቲ ኮነ ብዓይኒ ካልኦት ሃይማኖታት ጽቡቕ ተቐባልነት ዘለዋ ቤተ ክርስትያን ኢያ ኢሎም፣ ናይ ውሁዳት ቤተ ክርስትያን እውን እንተኾነት ምእንቲ ፍጥረት ሰብ ድምጻ ካብ ምስማዕ ድሕር ከምዘይትብል እውን ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.