2010-02-28 18:18:16

ስደት ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ኢራቅ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ናይ ካቶሊካዊት ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቅዋማት ብፁዓን አበው ንምስንዳው ትንሣኤ ክርስቶስ ሱባኤ አትዮም ከም ዘለዉን እዚ ዝሐለፈ ሰኑይ ዝተጀመረ ሱባኤ”ዚ ድሕሪ ጽባሕ ቀዳም ከም ዝዛዘምን ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ አብ ዒራቅ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ አብ ልዕሊ ክርስትያን ዝተጀመረ ተጻብኦታት ከም ዘየተገትኤን ይቅጽል ከም ዘሎን ተፈሊጡ አሎ።

ቅድሚ ትማሊ አብ አከባቢ ከተማ ሞሱል ናይ ሐደ ስድራ አባላት ሰለስተ ክርስትያን ከም ዝተቀትሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ምስ ሰምዑ ጥልቂ ሐዘን ከም ዝተሰምዖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ አመልኪቱ።

ቅዱስ አቦና ምእንቲ”ቶም አብ ዒራቅ ዝሳቀዩ ዘለዉ ውኁዳን ማኅበረ ክርስትያን ከም ዝጽልዩን ብመንፈስ ምስኦም ከም ዝርከቡን ከም ዝገለጹ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ አገንዚቡ።

በዚ መግለጺ”ዚ መሠረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ አብ ዒራቅ ካብ ነዊሕ ግዜ ጅሚሩ ብሐፈሻ አብ ልዕሊ ውኁዳን ማኅበረ ሰባት ብፍላይ አብ ልዕሊ ክርስትያን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትን ምስዳድን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ብዙሕ የተሐሳስቦም አሎ።

አብ ዒራቅ ሰብአውን እምነታውን መሰል ህዝበ ክርስትያን ክዕቀብ ከአ ቅድስነቶም አጽኒዖም አተሐሳሲቦም ብማለት እዚ ብቅድስቲ መንበር ዝተዋህበ መግለጺ አረዲኡ።

ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ዝብሃል ናይ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ሐውሲ ወግዓዊ ጋዜጣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ ዕለት ክልተ ንናይ መንግሥቲ ዒራቅ ቀዳማይ ሚኒስተር ኑሪ መሐመድ ሐሰን አል ማሊቂ ኩነታት ክርስትያን ዒራቅ ብዝምልከት ዝጽሐፍዎ መልእኽቲ ንምዝኽካር ንንባብ አብቂዑ።

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ንናይ መንግሥቲ ዒራቅ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጽሐፍዎ መልእኽቲ ትሕዝቶ ብከፊል፡ “ዝኽበርኩም ቀዳማይ ሚኒስተር ብ2008 ቫቲካን ከም ዝበጻሕኩምን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝተረኸብኩምን ትዝክርዎ ኢኹም፡ ሽዑ ምስኦም ድሕሪ ምርኻብኩም ብሰላማዊ ዘተ ኩሎም ናይ ሃይማኖት ማኅበረ ሰባት ዒራቅ መሠረታዊ ሕንጸተ ሰላም ክካየድ መሰል ኩሎም ውሁዳን ማኀበረ ሰባት ዝተዓቀበ ክኸውን አብ ምርድዳእ ተበጺሑ ጥራሕ ዘይኮነ ብኽልቲኡ ወገን ተስፋ ተገቢሩ ኔሩ። ዝከብርኩም ቀዳማይ ሚኒስተር መሐመደ ሐሰን አል ማሊቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዒራቅ ናይ ክርትያንን ክርስትያን ዘይኮኑን ናይ እምነት ነጻነት ክኸበር ሐቲቶምኹምን ለሚኖምኹምንስ ሕራይ እዚ አብ ግብሪ ከውዕሎ ዝኽእል ነገር ኢዩ ኢልኩሞም ኔርኩም፡ ካብ ነዊሕ ዘመናት ምስቲ ዝበዝሕ አብ ምስልምና ዝአምን ሕዝቢ ዒራቅ ብሰላም ዝነበረ ንኡስ ሕዝበ ክርስትያን ሰብአውን እምነታውን መሰሉ ክዕቀብ ኢዩ ብማለት ቃል ከም ዝአተኹም ትዝክርዎ ትኾኑ አብዚ ግዜ”ዚ ግን ከምቲ ብ2008 ቫቲካን ዝበጻሕክምሉ ግዜ ዝነበረ ተስፋ ይድብዝዝ አሎ። ሕጂ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዝሐተቱኒ መሠረት ነዚ መልእኽት”ዚ እጽሕፈልኩም አለኹ፡ ቅድስነቶም አብ ዒራቅ ዘሎ ህውከትን ዘይምርግጋእን አዝዩ ከም ዘሕዘኖም አብ ልዕሊ ክርስትያን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ምቅጻል አብያተክርስትያናት ክግታእ ይላበውኹም አለዉ” ዝብል መልእኽቲ ከምም ዝነበረ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ አገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.