2010-02-23 13:56:44

ዓውደ መጽናዕቲ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንሰለሥተ መዓቲ ዝቕጽል ትምህርቲ እምነት ንምዕሟቕ ብዝብል መደብ መሠረት ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእክሊ ዝዝቲ ዓውደ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ RealAudioMP3 ተሓቢሩ። እዚ ትማሊ ዝተመጀረ ዓወደ መጽናዕቲ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርትን ትምህርቲ እምነትን ብኸመይ ኣገባብን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምእመናን ክመሓላለፍ ከምዘልዎን፣ እምነት ኣብ ምንባር ከይዲ ክትገበር ከምዘለዎ እውን ንምስትንታን ዝካየድ ከምዝኾነን፣ ፍልይ ብዝበለ መልእክዕ ድማ ካብቶም ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ደይ ቨርቡም ማለት ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ዝብል ብምትኳር፣ መለኮታዊ ግልጸትን ብዝምልከት ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምዕራፍ ሽድሽተ ዘሎ ትምህርቲ እምነት ከጽንዑ ምዃኖምን፣ ትምህርቲ እምነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብኸመይ ኣገባብ ክሰርጽን ናብ ሕዝቢ ክመሓላለፍን ከምዘለዎ ክመያየጡ ምዃኖም ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.