2010-02-23 13:54:26

ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን


ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ካንተር በርይ ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊሊያምስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ክቡር ሊቀ ጳጳስ ሮዋን RealAudioMP3 ዊሊያምስ ዮርዳኖስን እስራኤልን ፍልስጥኤምን ክበጽሑ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ እብዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መንግሥትታት ወከልትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉሥ ኣብዱላህ ካልኣይ ክራኸቡ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣቢያተ ክርስትያንን ብሓፈሻኡ ኵለን ሃይማኖታትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ምርግጋእን ክረጋግጽ ዘካይድኦ ናይ ሰላም ጎስጓስ ዝምስገን ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ርክብ ብዝምልከት ናይ ንጉሥ ዮርዳንስ ቤተ መንግሥቲ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብር ብዝሒ ማኅበረ ክርስትያን ክልተ ካብ ሚእቲ ምዃኑ እንክንገር፣ ኣብ ዮርዳኖስን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ብጠቕላላ 374 ሺሕ ክርስትያን መምእመን ከምዘሎን፣ ኣብ ዮርዳኖስ 50 ሺሕ ናይ ላቲን ሥርዓት ተኸተልቲ ካቶሊካውያን ምእመናን ዝርከብዎም 200 ሺሕ ክርስትያን ከምዘለዉን፣ ኣብ ቅድስቲ መሬት 120 ሺህ ክርስትያን ምእመናን ካብዚኣቶም 27 ሺሕ ናይ ላቲን ሥርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ምእመናን ከምዝኾኑ ናይ እስራኤል ኩነት ብኣሃዝ ዝትንትን ማእከል የመልክት። ኣብ ፍልስጥኤም ክርስትያን ምእመናን ብጠቕላላ 54 ሽሕ እንክኾኑ፣ ካብዚኣቶም 18 ሺሕ ድማ ናይ ላቲን ሥርዓት ዝኽተሉ ካቶሊክ ከምዝኾኑ ካብዘን ሃገራት ዝቐረቡ ቤት ጽሕፈታት ኣሃዛዊ ጭብጥታት የረጋግጾ።








All the contents on this site are copyrighted ©.