2010-02-20 13:23:38

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማኅበራዊ ፍትሒ


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ብምኽንያት ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማኅበራዊ ፍትሒ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቶም፣ ጥሕሰት ማኅበራዊ ፍትሒ ን RealAudioMP3 ዅላትና ዘሕርቕን ዘቘጥዕን ናይ ጭካነ ተግባር ኢዩ ቢሎም፣ ኵሉ ዝተረጋገኤን ውሑስን ዝተመዓራረየን ዓለም ንምርግጋጽ ምሉእ ዓቕሙ ከተሓባብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።

ማኅበራዊ ፍትሒ መትከል ማዕርነትን ኅብረ ባህልን ኅብረ ሃይማኖትን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራን ምክብባርን ኵሉ ኣብ ናይ ማኅበራዊ ሓልዮት ክዋሳእን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምኽባር ሕይወትን መሰል ሥራሕ ናይ ምርካብን ንዝብሉ ሕግታት ምዃኑ ገሊጾም፣ ልምዓትን ሰብኣዊ ክብርን ምንቕቓሕ ተልእኾ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ምዃኑ ጠቒሶም፣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ማኅበራዊ ፍትሒ ክረጋገጽ ዝጠልብ ኵነት ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፣ ናይዚ ቅልውላዊ መንቀሊ ቅድም ቀዳድም ጉድለት ማኅበራዊ ፍትሒ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ ንምልቓቕ ድሮ ኣንፈት ይራኤ እነሃለወ፣ ኵሉ በቢ ደረጃ ኃላፍነቱ ኣብ ምዕባለ ሕዝብን ዓለምን ግዴኡ ከበርክት ከምዘለዎ ሓደራ ቢሎም፣ እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ዓለም ዝርኤ ድኽነት ንምጉዳል ሓቂኑ ዝተሓንጸጾ መደብ ልምዓት ትግባረ ጻዕሪ ምኽባር ማኅበራዊ ፍትሒ ኢዩ፣ ንምኽባር ማኅበራዊ ፍትሒ ኣብ ዝተበጽሑ እወታዊ ስጉምትታት ደው ከይበልና ሕጂ እውን ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጹ ብዙሕ ዕዮ ተሪፉና ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ ከምዝበሉ ተረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.