2010-02-18 12:57:06

ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ልምዓት


ናይ ሃዪቲ መደብ ዳግመ ሕንጻ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዝሓትትን ነዊሕ ዓመታታ ዘድልዮ ምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ልምዓት ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ RealAudioMP3 መግለጺ ከምዘመልከተ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።

ናይ ሃዪቲ ርእሰ ብሔር ረነ ፕረቫል በቲ ርእደ መሬት ዝተጎድኣ ከተማታት ንኣብነት ፕርቶ ኣው ፕሪንስን ካልኦት ከተማታትን ካብቲ ፍርስራስ ናጻ ንምግባር ናይ ሰለስተ ዓመት ቀጻልን ኣብ መዓልቲ ናይ ነዊሕ ሰዓታት ሥራሕ ዝሓትት ወፈራ ምዃኑ ከምዝገለጹ ሚስና ብምሕባር፣ እቲ ነዛ ሃገር ካብቲ እኩብ ፍርስራስ ናጻ ንምግባር ክንድዚ ዓመት ዘድሊ ካብ ኮነ መደብ ዳግመ ሕንጸት ክንደይ ዓመታት ክሓትት ምዃኑ ንምርዳኡ ዘየጸግም ኢዩ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።

መንግሥቲ ናይዛ ሃገር ኣብ ናይ ፖርቶ ኣው ፕሪንስ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ሕንጻ ጊዚያዊ መንበሩ ከምዘንበረን፣ ድሮ ይብሉ ርእሰ ብሔር ፕረቫል፣ ናይ ሕዝቢ ሃዪቲ መነባብሮ እናኸበደን ብዙሓት ዝሠርሑለን ዝመሃሩለን ዝነብርልን ዝነበራ ከተማታት እናሓደጉ ናብ ትውልዲ ዓዶም ይምለሱ ከምዘለዎ ሓቢሮም፣ ከተማታት ኃይሊ ሰብ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ እዋን ብዋሕዲ ተቐማጦ ኣዚየን ክጥቀዓ ምርኣየ ኣብ ልዕሊ መደብ ምጽራይ ከተማታትን መደብ ዳግመ ሕንጻን ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ዓቢይ ኢዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.