2010-02-18 12:53:39

ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ


ዓለም ሓቕቆፍ ናይ ገንዘብ ማኅበር ሃዪቲ በቲ ዘጓነፋ ዘስካሕክሕ ርእደ መሬት ሓደጋን ሕልቂትን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ዘለዋ ጸቕጢ ዕዳ ወጻኢ ክሕከኽ ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ኣብ RealAudioMP3 ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ኣኼባ እወታዊ ድላይ ፖሊቲካ ኣልቦ ኮይኑ ከምዝተረፈ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊክ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝጥርንፍ፣ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊዝ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማኅበር ብምጥቃስ ብሓቂ ዓቢ ጓሂ ከምእተሰምዖ ገሊጹ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ማኅበር ንሃዪቲ 102 ሚሊዮን ዶላር ክወሃባ ከምዝወሰነ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጠቒሱ፣ እዚ ግን እዅል ኣይኮነን ክምዝበለ ክንገር እንከሎ፣ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ንዳግመ ልደት ሃዪቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ማኅበር ናይዛ ሃገር ጸቕጢ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክሕከኽ ከምዘለዎ ዘቕረቦ ሓሳብ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪ ስራውስ ክሃን ከምዝሰማምዕሉ ሓቢሮም፣ እዚ ድላይ ናይተን ኩለን ደገፍቲ ሃገራት ምእንቲ ክኸውን ፖለቲካውን ሰብኣውን ጎስጓስ ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም።

ሃዪቲ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ምሉእ ብምሉእ ንኽተረጋገጽ ድጋፍ እውን እንተቐረበ ናይቲ ናይ ልቓሕ ገንዘብ ዕዳ ተሓታቲት ካብ ኮነት ነቲ ዕዳ ንምኽፋል እቲ ዘላቶ ጭቡጥ ኵነት ርኢኻ ዓመታት ከምዘድልያ ተረጋግጽ እዚ ድማ ዕንቃፍ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ኢዩ እንክብል ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብምትሕስሳብ፣ ምሕካኽ ዕዳ ጸቕጢ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ሓሳብ ናብ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ልምዓት ባንኪ ቤትን እውን ከምዘቕረበ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.