Home Archivio
2010-02-18 12:57:16
ስጉሚ ትሕትናን ከይዲ ሕውነታውን
ኣብ ኢጣሊያ ናይ ቶሪኖ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሰቨሪኖ ፖለቶ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ ቶሪኖ ዝርከብ ምኵራብ ኣይሁድ ፈለማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ነቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ስጉሚ ትሕትናን ከይዲ ሕወነታውን ዝገልጽ ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ኣይሁድን ዘሎ ሕውነት ዝምስክር ኢዩ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፖለቲ ኣብቲ ምኵራብ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ናይታ ከተማ ልዑል ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መራሒ ራቢ ኣልበርቶ ሞሼ ሶመክሕን ብናይ ከተማ ቶሪኖ ናይ ኣይሁድ ማኅበረሰብ ሊቀ መንበር ቱሊዮ ለቪ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ካብ ሰበኻ ቶሪኖ ዝተመሓላለፈ ምንጪ ዜና ይሕብር።
እቲ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ኣብ ከተማ ቶሪኖን ከባብን ምልክት ሰላም ኮይኑ ክጥጥዕን ኣብዛ ከተማ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ምክብባርን ምቅብባልን ዝዓሰሎ ናይ ሓባር ናብራ ዝከኣል ምዃኑ ዝምስክር ኢዩ ኢሎምን ኣይሁድን ካቶሊክን ብሓባር ኣብ ታሪኽ ሰብን ዓለም ምሉእ ፍጥረትን ቀዳምነት እግዚኣብሔር ክምስክሩን ናይዚ ምስክርነት ነጸብራቕ ክኾኑን ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።
ኣብ ቶሪኖ ናይ ኣይሁድ ማኅበረሰብ ሊቀ መንበር ለቪ እቲ ናይ ካርዲናል ፖለቶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ምኵራብ ኣይሁድ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣሰር ዝኽተልን ዓቢ ግምት ዝህብን ኢዩ ቢሎም እዚ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኣይሁድን ዘሎ ርክብ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ማኅበረሰብ ንዝግበር ርክብ ኣብነት ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.