2010-02-18 17:58:34

ሰንበት ዘቅድስት 2010 ዓ.ም.


ብግልና ንአምላኽ ንርከቦ። መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር . . . . . ። ንባባት፡ 2ቆሮ 5፡20 ~ ፍ፥ 1ጴጥ 1፡13 ~ ፍ፥ ግ.ሓ.1፡17 ~30፥ ማቴ 6፡16 ~25
ናይ ሎሚ መዝሙር ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ የዘኻኽረና ከምዚ ከአ ይብል፥ “ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ፥ ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቆርዎ፥ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚሩልና አሎሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበቱ ነኽብር።” ንአምላኽ ክነገልግሎ ክንምስከሮ አብ ግላዊ ሕይወትና፥ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ሰናይ ተግባር ክንገብር ዘጋጊ ከይዕወተልና ኩሉ ጊዜ ጥንቑቓት ክንከውን፥ ንክርስቶስ አሰር አሰሩ ክንጉዓዝ ፍቕሪ አሕዋት መለለይና ገርና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና።

አነ ከም አነ ብግለይ ንአምላኽ ክረኽቦ ይግብአኒ።

ንአምላኽ ብግልና ክንረኽቦ ክነዕልሎ፥ ጸገምና ክነካፍሎ፥ ክንልምኖ፥ ብግልና እንደልዮ ክንሓቶ፥ ከምኡ ንሱ ካባና ዝደልዮ ክንሰምዖ ብሓጺሩ ምስኡ ግላዊ ዕላልና ክንገብር እዋኑ እዩ። ሕይወትና ንአምላኽ ክሳብ ዘይረኸበት ዕረፍቲ የብላን። ንአምላኽ ዝረኸበት ሕይወት ናይ ኩሉ ተኽእሎ አለዋ ምኽንያቱ አምላኽ ናይ ኩሉ መልሲ እዩ። ምስ አምላኽ ዝራኸብ ግድን ውሽጣውን ግዳማውን ለውጢ የምጽእ። ሙሴ አብ ደብረሲና ነርብዓ መዓልቲ ምስ አምላኽ ገጸ ንገጽ ተራኺቡ ይብለና ዘጽአት 19፥ ዘዳግም 9፥ ከምኡ አብ ዘኁልቅ 12፡8 እግዚአብሔር ገጽ ንገጽ ምስኡ ከምዝተዛረበ ይነግረና። አብ ደብረሲና ምስ አምላኽ ምስ ተራኸበ ካብ ግንባሩ ጩራ ክወጽእ ጀሚሩ ተቐይሩ ይብለና ምስ አምላኽ ክንራኸብ ከሎና ምሉአት ንኸውን መንፈስና ይሕደስ፥ ፍሉይ ፍቕሩ ይሓድረና። ሰብ ዝርበሽ ዘይቀስን አምላኽ ምስኡ ምስ ዘይህሉ ጥራሕ እዩ። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ርቡሽ እዩ። ስለዚ አምላኽ ክንረኽቦ አብዚ ጊዜ ጾም ግድን እዩ።

ጎ.ኢ.ክ. አብዚ ዓለም ሥጋና ለቢሱ ካብ ማርያም ምስ ተወልደ ንኹልና ናይ ደቂ አምላኽ ምዃን ጸጋ ሂቡና ዮሓ 1፡12 ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዝአመኑ ኹሎም ግና ውሉድ አምላኽ ክኾኑ ሥልጣን ሃቦም ይብለና።ትስብእቲ ክርስቶስ ብግልና ንአምላኽ ክንረክብ አፍደገ ከፊቱልና፥ ንኢየሱስ ብብዙሕ መንገደኢ ብግልና ክንረኽቦ ንኽእል፥ አብ መአዲ ቅዱስ ቝርባን ቀሪብና ሥጋኡን ደሙን ብንጹሕ ሕልና ክንቅበል ከሎና፥ ቃል አምላኽ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንሰምዕ ከሎና፥ ብቤተክርስትያን ዝውሃበና ትምህርትን መምርሕን ኩሉ ብእምነት ክንቅበል ከሎና። ኢየሱስ እቲ ሓቀኛ መራኸቢና እዩ።

አብ እዋን ጾም ብሕትውና፥ ጽሞና፥ ምስትውዓል ይሓትት ምኽንያቱ ምስ አምላኽና ርክብ ክንገብር ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ። ወንጌል ማቴዎስ ንሎሚ ዝተነበ “ ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጸምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ አቦኻ ደአ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይትርኢ ርእስኻ ቅባእ ገጽካውን ተሓጸብ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ” እናበለ ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ፍሉይ መለለየ ጾም አርብዓ ምዃኑ ንርዳእ። አምላኽ ብግልና አድሒኑና ንነፍስወከፍና ምስኡ ናይ ብሕትና ርክብ ክንገብር ይደልየና። ሰብ ብግሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቡር ፍጡር እዩ ከመይ አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ርክብ አልኦ።

ካብ አምላኽ ዝፈሊ ጋግ ክንፈጥር ከሎና ሽዑ ኩሉ ይሕርብተና ይሽግረና ትርጉም ንስእነሉ። አምላኽ ዘይብሉ ሕልና ወይ ሕይወት ኩሉ ጊዜ አብ ክፍኡ ዝዘንበለ እዩ ጽቡቕ ክገብር የሸግሮ ምኽንያቱ አብኡ አምላኽ የለን። በዚ መንፈስ ዝጉዓዝ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ጸልማት ይጉዓዝ። አብ አምላኽ እንተ ዘይተመልሰ ትርጉም ሕይወት ጠፊእዎ ኩሉ ጊዜ ዘይቅሱን ሕይወት ሒዙ ንርእሱ ተረቢሹ ንኻልኦት ክርብሽይ ይነብር። ካብዚ ከምዚ ዝበለ ውድቀት ወይ ዝኾነ ድኽመት ዘሎና ክንቅይር ግላዊ ርክብ ምስ አምላኽ ክነሓድሶ ሎሚ ምቹእ እዋን እዩ።

ንአምላኽ ብግሊ ክንረኽቦ ዝሕግዝ መንፈሳዊ ነገራት፡


አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ነፍስወከፍና ተሓዲስና ክንርከብ ምእንቲ ፍሉይ ምስትውዓል የድልየና። ሱባኤ ንአቱ አሎና ነርብዓ መዓልቲ ካብ ኩሉ ክፍእ፥ ሓጢአት ክንርሕቕ ምእንቲ። ነናትና መደብ ክህልወና እምብአር ግቡእ እዩ። ዓይንና ከፊትና መገዲ ጸጋም አለሊና ነታ ቀጣን መገዲ አምላኽ ክንክተል ። ነዚ ዝገብር ሰብ ካብ አምላኽ ርሑቕ አይኮነን። አምላኽ ፍጡራት ርሒቕናዮ ኩሉ መገዲ ጸጋም መሪጹ ዓለምና ትሕመስ አላ። ካብ ጽቡቕ ዝገብር ክፉእ ዝገብር ንጥፍአት ሓዉ ሆ እናበለ ዝጭድር በዚሑ ዘሎናዮ እዋን መሓረና ዘብል እዩ። አነን ንስኹምን ነዛ እንነብረላ ዓለም ቀየርታ ክንከውን ንኽእል ኢና ብፍላይ አብዛ ንእሽቶይ ቤትና ቁምስናና ንአምላኽ ክንዕድሞ ምሳና ክነውዕሎ። ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ምስኡ ምስወዓሉ ተቐይሮም አሚኖም ከይወዓሉ ከይሓደሩ ንስብከት ወፊሮም እሞ ሎሚ ክንወፍር ክንሰብኽ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና አብ ገዛና አብ ሓዳርና አብ ኩሉ ንርከቦ እሞ ንስማዓዮ።

ዓይንና፥ እዝንና፥ እግርና ኩሉ ዘሎና አብ አገልግሎት አምላኽ ነውዕሎ። ደጊም አብ ሰብ ምግልጋል ወፊሩ ዝነበረ አእገር፥ ናይ ሰይጣን መንፈስ ወሪስዎ ዝነበረ ሕልና ሎሚ ታቦት መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ዕላል ምስ ኢየሱስ ይጀምር። ሽዑ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ምሳኻ አብዚ ምንባር ይሕሸና ዝብል መዝሙር ክንጅምር ኢና።

እምብአር ነዚ እንጅምሮ ዘሎና ጉዕዞ ጾም ምስታ አደና ዝኾነት ማርያም ንጀምሮ ንሳ ምስጢር ወዳ ዝተረድኤት እያ፥ ንወዳ ክንረኽቦ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና ንሱ ዝብሎ ኸአ ጸሎት መምርሒኹም ገርኩም ስዓቡኒ ይብለና። ስለዚ ነደና መግዲ ወድኺ ሓብርና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ



ገብእ ውስተ መሬት







All the contents on this site are copyrighted ©.