2010-02-18 17:54:37

መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት


ትማሊ ሮቡዕ ቅዱስ አቦና አብቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ አስተምህሮ “ጊዜ ጾመ አርብዓ ምሩጽ ጊዜ ናይ ንስሐን ውሳጣዊ ለውጥን እዩ” እንክብሉ፣ ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ እትኽተል ቤተ ክርስትያን ብአምሳል ጾመ ነነዌ እትገብሮ ሓሙዅሽቲ አብ ርእሲ ናይ ምንስናስ ሥርዓት ትርጉም ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ምሩጽ ጊዜ ጾመ አርብዓ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዕለት ዕለት ብጸሎትን ልባዊ ንስሓን ብምሥጢረ ሕማማትን ትንሣኤን ዝተረኽበ ጸጋ ድኅነት ክልውጦ ልቡ ክኸፍት ጸዊዖም። “ተነሥሑ ብወንጌል ከአ እመኑ” ዝብል ቃል ወንጌል ብምጥቃስ ምእመናን ኩሎም ካብዚ ንንስሐ ዝግበር ዕድመ ዝርከብ ዘደንቅ ተሓድሶ ክቅብሉ ሐደራ ቢሎም። እዚ ዕድመ እዚ ነቲ ብልማድ እንነብሮ ፈሪሳዊ ዝኾነ ናይ አምሰሉታት ሕይወትና ዕርቃኑ ብምውጻእ ርእስና ብምኽሳስ በእከይየ በእከይየ በዓቢይ እከይየ ቢልና ናብ ንስሐ ከም እነምርሕ ይገበርና። ንስሐ ማለት አንፈት ሕይወት ምልዋጥ እዩ። እዚ ለውጢ እዚ አብ አነባብራና ቍሩብ ምምሕያሽ ብምግባር ርእስና እንጥብሮ ለውጢ ዘይኮነስ ሐቀኛን ቅኑዕን ምቅያር አንፈትን ምረሻን እዩ።

ምንሳሕ ማለት ተጻይ ናይቲ በዘልማድ እንነብሮ ዘይስሩዕን አብ ክውንነት ዘየለ ዘይቅኑዕ ሕይወትን፣ ወትሩ ከአ ብኃጢአት ከምንምለኽን ባርያኡ ከምእንኸውንን ብምግባር ጅሆ ናይ ከብሉኒ ብማለት እነዘውትሮ ፈረሳዊ አነባብራና ተጻይ ምጉዓዝ የስምዕ። ብንስሐ አብ ዝለዓለ ሕይወት ክርስትና ብምእማት ኣብ ሕያውን ናይ ግልናን ዝኾነ ቃል ወንጌል ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ የተኵር።”

ስለዚኸስ ክርስቶስ ናይ መወዳእታ ዕላማን ዓሚቍ ትርጉም ንስሐን እዩ። ንሱ ኩሎም ብብርሃኑ ተዀሊዕም ብአኡ ናብ ሕይወት ዝጐዓዙሉ መንገዲ እዩ። አብዚ ከአ እዩ ናይ ንስሐ ዘንጸባርቅን ዘደንቅን ገጽታ ዝግለጽ።

ቅልል ዝበለ ሞራላዊ ቍርጺ ፍቃድ ብምግባር ጠባያት ሕይወትና እንእርመሉ አይኮነን እንታይ ደአ ምስቲ ሕያውን ሓቀኛን አካል ኢየሱስ ብምልአት ጥቡቅ ሓድነት እንገብረሉ ምርጫ እምነት ኢዩ። ምንሳሕን ብወንጌል ምእማንን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት ወይ በጋጣሚ ጥቃ ጥቃ ዝተነብሩ ቃላት አይኮኑን፣ ነቲ ዘመልክትዎ ክውንነት ብሓቂ ይገልጹ።

ንስሓ ማለት ኩለንትናኡ ንወንጌል ብምውፋይ ነቲ ከም መንገድን ሐቅን ሕይወትን ብቀዳምነት ዝውፈየሉ ክርስቶስ ከም እንኮ መውጽኢ ሐራኡን መድኃኒኡን ንምቅባል ዝግለጽ ጠቅላሊ እሺታ የጠቃልል። ብዝተረፈ እዚ ናብ ንስሐን ብወንጌል ናብ ምእማንን ዝግበር ዕድመ አብ መጀመርታ ሕይወት ክርስትና ጥራይ ዝግበር ዘይኮነስ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና ዘሰንየና እዩ፣ ዕለት ዕለት ምሩጽ ግዜን መዓልቲ ድኅነትን ጸጋን እዩ፣ ከመይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ኢየኡስ ክንውፈ ብአኡ ክንእመን አባኡ ክንተርፍ ሕይወቱ ክንሳተፍ ብአኡ አቢልና ከአ ነቲ ሐቀኛ ፍቅሪ ክንመሃር ትምሕጸነና።

ነፍሲ ወከፍ ዕለት ሽሕ እኳ ጸገማትን ጻዕርን ድኻማትን ውድቀትን እንተሎ ወላ እውን ነቲ ብክርስቶስ አቢልና ንፍቅሪ እግዚአብሔር ልብና ብምኽፋት ብጽድቅን ብፍቅርን ንኽንነብር እንኽተሎ አሠር ክርስቶስ ሐዲግና አብ አነነትናን ስስዕትናን ክንዕጾ ፈተና እንተአጋጠመና ካብ ክርስቶስ ነቲ ሐቀኛ ፍቅሪ ክንመሃር አሎና።

ሳላ ፍቅሪ ክርስቶስ ናብታ ዝዓበየት ጽድቂ ናይ ፍቅሪ ክንአቱ ንኽእል። አብ ናይ ሎሚ ላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ሐሙዅሽቲ ናይ ምንስናስ ሥርዓት እንተተመሊክትና “ሓመድ ኢኻ ናብ ሓመድ ከአ ክትምለስ ኢኻ” ዝብል ጥቅሲ ክሳብ ክንደይ ተነካእቲ ከምዝኾና እኳ ደአ ነታ ናይ መጨረሽታ ቅርጽና ሞትና የዘኻኽረና።

አብ ቅድሚ ምሳና ዝተወልደ ፍርሒ ናይ ፍጻሜ ልዕሊ እዚ ኸአ ብብዙሕ መንገዲ ኩነትን ተመኵሮን ሞት ደቂ ሰባት ከጽንዕ ሒዅ ኣብ ዝብል ባህሊ ሥርዓተ አምልኮ ጾመ አርብዓ ብሓደ ወገን ናብ ሐቅነትን ጥበብን እናዓደመ ንሞት የዘኻኽረና ኮይኑ ግን ብካልእ ሸነኽ ነቲ እምነት ክርስትና ዘበሥረና ካብ ሞት ናይ ምልቃቅ ዘይተጸበናዮ ሓዲስ ሃውህው ክነብር ይድርኸና።

ወዲሰብ ሓመድ እዩ ናብ ሓመድ ከአ ኪምለስ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ሓመድ እዚ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚአብሔር ክቡር ሓመድ እዩ ከመይ ወዲ ሰብ ዘይመውት ኮይኑ እዩ ተፈጢሩ ነይሩ። ኢየሱስ ብወለንታኡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ወዲሰብ ነዚ ተነካእነት እዚብፍላይ ከአ አብ መስቀል ብምማቱ ክሳተፎ ደለየ።

እዚ ኣብ መስቀል ሙማት እዚ ነቲ ኢየሱስ ምስ አቦኡን ደቂ ሰባትን ናይ ዘለዎ ፍቅሪ ምልአት ምሃብ፣ክርስቶስ ነቲ ብአኡ ንዚአምኑ ምንጪ ናይ ጸጋ ዝህብን ተኻፈልቲ መለኮታዊ ሕይወት ዝገብርን ክቡር ትንሣኤኡ መንገዲ ኮይኑ።

እቲ ንእሽቶ ምልክት ምንስናስ ሓምዅሽትኸስ ናይዚ ፍሉይ ሃብቲ ትርጉም የብርሃልና።

ንዘመነ ጾመ አርብዓ አብቲ ብሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ዚግለጽ ምሥጢረ ፋሲካን ብምስትውዓል ብምጥላቅን አብቲ ካብ ቅዱስ ቍርባን ዝውለድን አባኡ ከአ ፍጻሜኡ ዝረክብ ፍቅራዊ ሕይወትን ብምስታፍ ብምሉእ ርድኢት አብ ዓሚቍ አስተንትኖ ንኽንሰጥም ይዕድመና።

ቅዱስነቶም ምሕጽንታኦም ብምቅጻል፣ “አብ ርእስና ሓምዅሽቲ ብምንስናስ ንክርስቶስ ንምኽታል ዝሃብናዮ ቃል ነሐድስ፣ ብምሥጢረ ትንሣኤኡ ክንልወጥ ንኩለንትናና ኣብ ኢዱ ንገድፎ፣ ንኃጢኣት ንምሽናፍን ጽቡቅ ንምግባርን ከማኡ እውን ነቲ ኣብ ኃጢኣት ዝጠበቀ አረጊት ሰብነት ቀቲልና ነቲ ብጸጋ አምላኽ ዝተለወጠ ሓዲስ ሰብነት ንለብስ።” ቢሎም።
ኣብ ናይ መወዳእታ ሰላምታኦም ናብ ሕሙማት ብምምላስ ነዚ ምሕፅንታ እዚ አቅርሪቦም፣ “ብሕማም ትሳቀዩ ዘሎኹም ኩልኹም ንሥቃይኩም ምስ ክርስቶስ ብምሕባር ምእንቲ እቶም ጌና ካብ እግዚአብሔር ርሒቆም ዘለው ከተወፍይዎ እላቦ፣” ብምባል አስተምህሮኦም ዛዘሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.